ዋሕዚ ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ ናብ ኢትዮጵያ ንወለዲ የሻቕል

Radio Erena: 04 October 2019

ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ ብብዝሒ ናብ ኢትዮጵያ ይሰግሩ ብምህላዎም ኣብ ወለዲ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ወገናት ገሊጾም።

ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተሰም ስምምዕ፣ ጽኑዕ ምቁጽጻር ዝግበረሉ ዝነበረ ዶባት፣ ዛሕቲሉ ስለዝርከብ፣ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ ብዘይኣላዩ ብብዝሒ ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩ ከምዝጀመሩ ክዝረበሉ ጸኒሑ’ዩ።

“ናብ ወጻኢ ሃገራት ክንከይድ ኢና እናበሉ”፣ ገሊኦም ድማ ካብ እስራኤልን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ካብ ዝርከቡ ኣሕዋት፣ ቤተሰብን ኣዝማድን እናተተባብዑ፣ ንወለዲ ከይሓብሩ ናብ ኢትዮጵያ ይሰግሩ ምህላዎም ካብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ኤርትራ ክስማዕ ጸኒሑ’ዩ።

ሓያሎ ካልኦት’ውን፣ ምስ ወለዲ ተባኢሶም ይኹን ኣብ ትምህርቲ ዕንቅፋት ምስ ዘጋጥሞም ናብ ኢትዮጵያ ምስጋር ከም ኣማራጺ ይርእይዎ ምህላዎም ይግለጽ።

ኣብ ኤርትራ፣ ንመንእሰያትን ሓደስቲ ወለዶን ዘተባብዕ ናይ ትምህርቲ ይኹን ናይ ስራሕ ሃዋሁን ብሩህ መጻኢን ዘይምህላዉ፣ እቲ ኣውራ ጠንቂ ዋሕዚ ናብ ስደት ናይዞም ቆልዑ ይኸውን ከምዘሎ’ውን ዝገልጹ ወገናት ኣለው።

ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ ብዘይኣላዩ ናብ ስደት ክውሕዙ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ሓድሽ ተርእዮ እኳ እንተዘይኮነ፣ እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ገኒኑ ዘሎ ግና፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሰላም ሃዋሁ ሰፊኑ ኣሎ ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎ ምዃኑ’ዩ።

 

ስእሊ፣ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0