ወጥሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይቕጽል ኣሎ

ወጥሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይቕጽል ኣሎ

Radio Erena: 16 September 2018

 oromo feresena     ኣብ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ ሓይልታት ኦሮሞ ናብ ሃገሮም ኣብ ዝኣትዉሉ እዋን፣ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ከም እትርከብ፣ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ካብታ ከተማ ሓቢረን።

      መራሒ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳዉድ ኢብሳ ብቀዳም 15 መስከረም ናብ ሃገሩ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ንዕኡ ንምቕባል ዝተኣከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቱ፣ በቲ ካልእ ወገን ከኣ መንእሰያት ተቐማጦ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከቢድ ረጽሚ ከምዝኣተዉ እዩ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ዘመልክት።

 

     ኣብ ኤርትራ ዓስኪሮም ዝጸንሑ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ክኣትዉ ጸኒሖም’ዮም። ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ግና፣ ኣብ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ባንዴራ’ቲ ውድብ ብቀለም ክለኽዩ ምስ ጀመሩ፣ በኢ ዝተቖጥዑ ተቐማጦ’ታ ከተማ ኣብ ግርጭት ክኣትዉ ክኢሎም።

     በቲ ዝተኻየደ ግጭት ዛጊት ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ’ኳ እንተዘየለ፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ቆሲሎም ከምዘለዉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንማዕከናት ዜና ዓለም ገሊጾም።

     ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ኣብ ዝበዝሐ ከባቢታት’ታ ከተማ ተዋፊሮም ከምዘለዉን ጸጥታን ምርግጋእን ንምስፋን ጻዕርታት የካዪዱ ከምዘለዉን እዩ ዝንገር።

    ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብሪጣንያን፣ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዜጋታተን ጥንቃቐታት ክገብሩን ምንቅስቓሳቶም ክድርቱን ዝምዕድ መተሓሳሰቢ ኣውጺኤን ኣለዋ።

    ኣብ ኤርትራ ዓስኪሮም ዝነበሩ ኣስታት 1300 ኣባላት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ትማሊ ቀዳም’ዮም ናብ ሃገሮም ኣትዮም። መራሒ’ቲ ግንባር ንደገፍቱ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ኣብ ኢትዮጵያ መጺኡ ብዘሎ ሓድሽ ናይ ፖለቲካ ሃዋሁ ዝፈጠሮ ዕድል ተጠቒሞም፣ ደሞክራስን መሰልን’ታ ሃገር ንምርግጋጽ ምስ ኩሎም ወገናት ክሰርሑ ምዃኖም ገሊጹ።

    ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ሓደ ካብቶም ኣብ መዝገብ ግብረሽበራ ኢትዮጵያ ተመዝጊቡ ዝነበረ ውድብ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0