ወግዓዊ ስነ ስርዓት ዝኽሪ ግዳያት ላምፔዱሳ፣ ብ21 ጥቕምቲ ኣብ ሲሲልያ-ኣግሪጀንቶ ተኻይዱ

ኣብቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያን፣ ከንቲባ ከተማ ላምፔዱሳን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገርን ሕብረት ኤውሮጳን ከምኡ ድማ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ዝተረኽብሉ ስነ ስርዓት ዝኽሪ፣ ብመራሕቲ ሃይማኖት ክርስትናን እስልምናን ጸሎተ-ፍትሓትን ዱዓ-ኣልፋቲሓን ተኻይዱ።።

 

እቶም ካብቲ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ዝደሓኑ ልዕሊ 150 ኤርትራውያን ግና ኣብቲ ኣብ ኣግሪጀንቶ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ዝኽሪ ከይሳተፉ፣ ካብቲ ተታሒዞምሉ ዘለዉ ማእከል ከይወጹ ስለዝተኸትከሉ፣ ተቓውምኦ ከምዘስምዑ ካብቲ ቦታ ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ብ 3 ጥቕምቲ ኣብ ላምፐኢዱሳ ጥሂሎም ካብ ዝሞቱ ኣምኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም 366 ግዳያት፣ እቶም ልዕሊ 100 ኣብ ኣግሪጀንቶ ኣብ ዝርከብ ጋህሲ ክኣትዉ እንከለዉ፣ እቶም ካልኦት ድማ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ንኣሽቱ ከተማታት ሓመድ ኣዳም ከምዝለበሱ\ዩ ዝግለጽ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ፣ ንግዳያት ባሕሪ ላምፔዱሳ ሃገራዊ ስነ ስሮኣት ቀብሪ ክካየደሎም ምዃኑ ሓቢሩ እኳ እንተነበረ ድሕሪ ብዝተወስደ ውሳኔ ግና፣ ሬሳ ኣብ ዘይይተረኽበሉ ስነ ስርዓት ዝኽሪ ጥራይ’ዩ ተኻይዱ።
=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0