ወኪል መንግስቲ እስራኤል፣ ምስ መራሒ ሱዳን፣ ጀነራል ኣልቡርሃን ምስጢራዊ ርክብ ከምዘካየደ ተገሊጹ

Radio Erena: 20 January 2022

ወኪል መንግስቲ እስራኤል፣ ምስ መራሒ ናይቲ ኣብ ሱዳን ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ብረቡዕ 19 ጥሪ፣ ኣብ ካርቱም ምስጢራዊ ርክብ ከምዘካየደ ኣል ዓረብያ ገሊጻ።

ካን ዝተባህለ መደበር ቴሌቪዥን እስራኤል ብወገና፣ ካብ ቴልኣቪቭ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ቤን ጎርዮን ዝተበገሰት ፍልይቲ ነፋሪት፣ ኣብ ሸርም ሸኽ ግብጺ ንእሽቶ ዕረፍቲ ብምግባር ናብ ካርቱም ከምዝኣተወት ኣረጋጊጻ።

እንተኾነ ኣብታ ነፋሩት ዝነበሩ ወከልቲ እስራኤል፣ መነ መን ምዃኖን ኣየነጸረትን።

ወኪል እስራኤል ናብ ሱዳን ምስጢራዊ ምብጻሕ ከምዘካየደ ዝንገር ዘሎ፣ ሓድሽ ዝተመዘዘ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ፣ ኣምባሳደር ዳቪድ ሳተርፊልድ፣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ካርቱምን ኣዲስ ኣበባን ክበጽሕ ምዃኑ ምስ ተገልጸ’ዩ።

ዕላማ ምስጢራዊ ዑደት ወኪል እስራኤል ናብ ሱዳን ኣይተፈልጠን።

ይኹን’ምበር፣ መቀጸልታ ናይቲ እስራኤልን ሱዳንን ዝምድንአን ናብ ንቡር ናይ ምምላስ መስርሕ ክኸውን ከምዝኽእል ተንተንቲ የረድኡ።

ሱዳን፣ ኣሰር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ባሕሬይንን ሞሮኮን ስዒባ፣ ምስ እስራኤል ዝምድና ንምምስራት፣ ብምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ዝተወደብ ስምምዕ 2020 ከምዝተጸንበረቶ ይዝከር።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0