ወኪል ሕቡራት ሃገራት፣ ኤርትራውያን ተዓቝቦምሉ ናብ ዘለዉ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 26 January 2021

ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ብኣን-ኤለን ኤንኮንትር ዝተመርሐ ወኪል UNHCR፣ ብዳይረክተር ወኪል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ (ARRA)፣ ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ ተሰንዩ ናብቲ መዓስከራት ከምዝበጽሐ ዝሓበረ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ፣ ቀንዲ ዕላማ እቲ ዑደት፣ ምርግጋጽ መሰረታዊ ቀረባትን ድሕነት ስደተኛታት ንምሕላው ዘንቀደ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

UNHCR ብወገኑ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዘስፈሮ ጽብጻብ፣ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ተተሓሒዙ፣ ወጺኦም ዝጸንሑ ሰራሕተኛታቱ፣ ኣብ ዓዲ ሓሩሽ ምብጻሕ ከካይዱ ከምዝተፈቕደሎም ብምርግጋጽ፣ ኣብቲ መዓስከራ ንዘለዎ ኤርትራውያን ተስፋ ከምዝሃቦም ኣገንዚቡ።

ይኹን’ምበር እቲ ብሰራሕተኛታት UNHCR ዝተኻየደ ምብጻሕ ግዝያውን ሓጺርን’ዩ ኔሩ።

10ታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቝቦምሉ ዝጸንሑ መዓስከራት ትግራይ፣ ሓደ ካብ ዒላማታት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ኮይኑ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

ነቶም ስደተኛታት ህጹጽ ሓገዝ ክልኣኸሎም ብሕቡራት ሃገራት ንዝቕረበ ተደጋጋሚ ጻውዒት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክነጽጎ ምጽንሑ’ዩ ይጥቀስ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ኣብቲ መዓስከራት፣ ናይ መግቢ መቝነን ክዕደል ምጅማሩ እኳ እንተገለጸ፣ እቶም ኤርትራውያን ግና ሕጂ’ውን ድሕነቶም ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ’ዮም ዘመልክቱ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0