‘ወትሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ምሊሻታት ኣምሓራ፣ ኣብ ትግራይ ጃምላዊ ዓመጽ ደቂንስትዮ ፈጺሞም’ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል

Radio Erena: 13 August 2021

ወትሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ሚሊሻታት ኣምሓራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ትግራይ ኣትዮምሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፣ ጃምላዊ ዓመጽ ደቂንስትዮ ከምዝፈጸሙ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ጾታዊ ዓመጽ ምስ ዝበጽሐን 63 ደቂንስትዮ ትግራይ ብምዝርራብ ኣብ ዘዳለዎ ጸብጻብ፣ ብዙሓት ካብኣተን ብጉጅለ ወትሃደራት ከም ናይ ‘ ጾታዊ ኣገልገልቲ ወይ ባራዩ’ ተታሒዘን ተደጋጋሚ ዓመጽ ዝበጽሐን’የን።

ካብተን ዝተዓመጻ ደቂንስትዮ፣ ነፍሰጾራት ዝርከብአን ኮይነን፣ ገሊኤን ድማ ምስ ኤችኣይኒ ቫይረስ ክነብራ ተገዲደን ኣለዋ።

እቲ ትካል ካብ ዘዘራረብን 63 ደቂንስትዮ፣ እተን 28 ብወትሃደራት ኤርትራ ዝተዓመጻ ምዃነን ዝገለጻ’የን።

እቲ 39 ገጻት ሒዙ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ሚሊሻታት ኣምሓራን ናብ ሓያሎ ዓድታት ትግራይ ካብ ዝኣተውሉ ኣብ ዝነበረ ናይ መጀመርያ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ማለት ካብ ለካቲት ክሳብ ሚያዝያ 2021፣ ብውሕዱ ልዕሊ 1288 ደቂንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝበጽሐን፣ ካብ ትካላት ሕክምና ትግራይ ንዝረኸቦ ሓበሬታ ብምውካስ ጠቒሱ።
=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Angeb 3 years ago

    ኣምስቲ አንተርናሽናል ዝብሃል ውድብ ስግኤ ዝሓዘ ሓቅነት ዘይብሉን እዩ ንምንታይ ናይ ማይ ካድራ ግፍአ ናይ ኤርትራውያን ስደተኛ ቅትለት ናይ ዓፋር ልዕሊ 240 ግዳያት ኣይተዛረቡን ስለዚ ሃልኪ ፖለቲካ ጥራይ እዩ