ወተሃደራውያን ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘተ ኣካዪዶም

ወተሃደራውያን ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘተ ኣካዪዶም

Radio Erena: 16 March 2018

sudan somal

ወተሃደራውያን ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘተ ኣካዪዶም።

እቲ ብረቡዕ 14 መጋቢት ኣብ ከሰላ ዝተኻየደ ዘተ፤ ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ከምዝካየድ ሱዳናዊ ወተሃደራዊ ሓላፊ ሉተናንት ጀነራል ማሕሙድ ባቢከር ሒማድ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።

ንሱ ብተወሳኺ፤ ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ናይ ሕርሻን መገሃጫን መሬት ከምኡ’ውን ካልእ ዶባዊ ጉዳያት ኣልዒሎም ከምዝዘተዩ ሓቢሩ።

ከምዝፍለጥ ኣብ ዶባት’ዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ዝርከቡ ዜጋታተን ብሕርሻን መገሃጫ መሬትን ዝተላዕለ ብተደጋጋሚ ኣብ ግጭት ክኣትዉ ጸኒሖም እዮም።

ኣብቲ ዘተ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ፡ ዘይሕጋዊ መድሃኒታትን ካልእ ሃለኽቲ ነገራትን ከምኡ’ውን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ ሰጊሩ ዝካየድ ንግዲ ከምዝዝተየሎም፡ እቲ ሱዳናዊ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ገሊጹ።

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፈ ኢትዮጵያዊ ሉተናንት ኮሎኔል ምክኤል ግርማይ ብወገኑ፤ ተመሳሳሊ መግለጺ ድሕሪ ምሃብ ኣብ ዶባት ዝርከቡ ዜጋታት ክልቲኤን ሃገራት ሓበሬታ ኣብ ምሃብን ምትሕልላፍን ክተሓባበሩ ጸዊዑ።

ኣብ 2009 ሱዳንን ኢትዮጵያን ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሕ ወተሃደራዊ ፕሮቶኮል ከምዝተፈራረማ ዝዝከር ኮይኑ፡ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ዝከታተል ሓባራዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከቑማ ኣብ ምዝታይ ከምዝርከባ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ እውን ሱዳንን ኢትዮጵያን ግብረሽበራ ንምቅላስ ዘኽእለን ሓባራዊ መሞራንደም ምፍርራመን ይዝከር።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0