ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን፣ ሩስያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መዓስከር ክትከፍት ተቓውሞ ከምዘይብሉ ገሊጹ

Radio Erena: 06 March 2022

ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን፣ ሩስያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መዓስከር ክትከፍት ተቓውሞ ከምዘይብሉ ምግላጹ፣ ኣብ ሰበስልጣን ኣመሪካ ቁጠዐ ፈጢሩ።
ምኽትል ኣቦ ወንበር’ቲ ቆንስል ለተናል ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ፣ ምስ መንግስታዊት ቴሌቪዥን ሃገሩ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ፣ ፖርት ሱዳን ን25 ዓመታት ብሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ክመሓደር ዘኽእል ኣብ 2020 ዝተኻየደ ዝርርብ ኣብ ግብሪ ክውዕል ድሌት ከምዘለዎ ገሊጹ።
እቲ ጀነራል፣ ‘ንረብሓ ሱዳን ክሳብ ዝኾነ፣ ዝኾነት ሃገር ኣብ ማያትና ወተሃደራዊን ንግዳዊን ንጥፈታት ከተካይድ ጸገም የብልናን’ ክብል እዩ፣ ብዛዕባ ዑደቱ ናብ ሩስያ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ገሊጹ።
ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ጂቡቲ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ መጀር ጀነራል ዊልያም ዛና ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ካብ ህላዌ ሰራዊት ሩስያ ዝርከብ እወታዊ ረብሓ ኣብ ታሪኽ ኣይረአናን፣ ስለዚ ከኣ ምህናጽ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኣብ ማያት ሱዳን የስግኣና እዩ’ ብምባል፣ ንውሳኔ ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን ነቒፉ።
ሩስያ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ጽልዋኣ ንምዕባይ፣ ‘ዋግነር ግሩፕ’ ብዝተባህለ ብፓራሚሊታሪ ዝቖመ ናይ ውልቂ ትካል ኣቢላ ወተሃደራዊን ስለያዊን ንጥፈታት ተካዪድ ኣላ ክብሉ’ዮም ሰበስልጣን ኣመሪካ ዝወቕሱ።
ሱዳን ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ድሕሪ ምምስራታ፣ ኣመሪካ ካብ መዝገብ መወልቲ ሽበራውያን ሰሪዛታ፣ ኣብ ልዕሊኣ ኣንቢራቶ ዝነበረት ማዕቀብ ከኣ ኣልዒላ። ኣምሳያ ናይዚ፣ ሱዳን ምስ ሩስያ ኣትያቶ ዝነበረት ውዕል ሰሪዛቶ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ወተሃደራዊ ጉጅለ ብዕልዋ ስልጣን ምስሓዘ እዩ ሕጂ እቲ ውዕል ክቕጽል ዝበሃል ዘሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0