ወሰኽ ዋጋታት ነዳዲ ኣብ ሱዳን ተቓውሞ ኣለዓዒሉ

Radio Erena: 09 November 2016

Sudan Fuel

መንግስቲ ሱዳን ንዋጋታት ነዳዲን ኤሌክትሪሲቲን ክብ ምባሉ፣ ህዝቢ ተቓውሞ የካይድ ምህላዉ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ዝተነብረ ወሰኽ ዋጋታት ነዳዲን ኤሌክትሪሲቲን፣ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ርኡይ ጸቕጢ ይፈጥር ከምዘሎ ተቓወምቲ ወገናት ሱዳን የረድኡ።

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሱዳን፣ ኣንጻር እዚ ወሰኽ ዋጋታት ተቓውሞታት ይቕጽል ከምዘሎ ዝሓበረት ሬድዮ ታማዙ፣ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ነቲ ተቓውሞ ወዲቦም ንዝበልዎም ሓያሎ ሰባት ምቕያዶም ገሊጻ።

ካልኦት ምንጭታት ዜና ሱዳን’ውን፣ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፣ ብዛዕባ ወሰኽ ዋጋታትን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝተበገሰ ተቓውሞን ንዘቃልሓ ዘለዋ ጋዜጣታት ይእግዱን ጋዜጠኛታት ይኣሱርን ከምዘለዉ የመልክታ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ነቲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናወደቐ ዝመጽእ ዘሎ ቁጠባ እታ ሃገር ንምርግጋእ ብዝብል ምኽንያት፣ ንደሞዝ ሰራሕተኛታት ብ20 ሚእታዊት ክብ ከምዘሎ ክገልጽ እንከሎ፣ ኣብ ነዳዲን ኤሌክትሪሲቲን ዝገብሮ ዝነበረ ድጎማ ግና ደ ከምዘሎ ብወግዒ’ዩ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ፣ ድጎማ ድሕሪ ምቁራጹ፣ ዋጋታት ነዳዲን ኤለክትሪሲቲን ብ30 ሚእታዊት ወሲኹ ኣሎ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0