ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ኣብ ቁጽጽር ንምውታው ይሰርሕ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ

Radio Erena: 29 October 2020

ዕስለ ኣንበጣ ኤርትራ ኣብ ትርከበን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ካብ መጀመርያ ወርሒ ናይዚ ዓመት ኣትሒዙ፣ ኣብ ልሙዕ መሬት ከቢድ ጉድኣት ከውርድ ጸኒሑ’ዩ።

ዕስለ ኣንበጣ፣ ብክራማት ተሓጊዙ፣ ብዝያዳ ይራባሕን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይሰጋገርን ምስ ምህላዉ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ናይ ሕርሻ መሬት፣ ኣብ ዘራእቲን ኣብ መጋሃጫን ብዘውረዶ ሃስያ፣ ሓረስቶትን ጥሪትትትቶም ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዖም ከምዘለዉ ውድብ መግብን ሕርሻን (FAO) ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል፣ ብ27 ጥቅምቲ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ዞባ ዓፈር ናይ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ እዚ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣስታት 10 ሚልዮን ዝግመታ ጥሪት፣ ንሓደጋ ስእነት መግቢ ተቓሊዐን ኣለዋ።

ኣብቲ ዞባ፣ ጸረ ኣንበጣ መድሃኒት ናይ ምንጻግ መስርሕ ይካየድ እኳ እንተሎ፣ ካብ 34 ምምሕዳር ከባቢታት ናይቲ ዞባ እተን 33 በቲ ወራር ዝተጸልዋ’የን።

እዚ ኣብ ታሪኽ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብዝርጋሐኡን ብዝሑን ፍሉይ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ ዞባታት ትግራይ፣ ኣምሓራን ኦሮሞን’ውን ብተመሳሳሊ ተራእዩ እዩ።

ጎረባብቲ ኢትዮጵያ ዝኾና ኤርትራንን ሶማልን’ውን ብወረር ዕስለ ኣንበጣ ብማዕረ ተጠቒዐ ይርከባ።

ሶማል፣ ብሰንኪ እዚ ወራር ኣቐዲማ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ክትእውጅ እንከላ፣ ኤርትራ ግና ንምክቶ ኣለና ካብ ምባል ሓሊፋ ካልእ ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢባ’ያ ትርከብ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ ሓያሎ ዞባታት ኤርትራ፣ ኣብ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት መጥቃዕቲ የካይድ ምህላዉ መንግስቲ ኤርትራ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት፣ ነዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ከቢድ ናይ መግቢ ቅልውላው ክፈጥር ከምዝኽእል ዝገለጾ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት፣ ካብ መጀመርያ ወርሒ ናይዚ ዓመት ሓገዝ እኳ እንተሓተተ፣ ዝረኸቦ 76 ሚልዮን ዶላር እኹል ከምዘይኮነ’ዩ ዘመልክት።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ድማ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምጽራግ ዝንጸግ ዘሎ መድሃኒት ኣብ ገለ ከባቢታት፣ ኣብ ሕርሻ ጉድኣት የውርድን፣ ዓይኒ ማያት ድማ ይብክልን ብምህላው ጥንቃቐታት ክግበር ለበዋ የሕልፍ ኣሎ።

ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ኮረና ቫይረስ ንላዕሊ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ዝዓበየ ብድሆ ኮይንወን ይርከብ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0