ኮሮና ቫይረስ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝተራእየ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 31 January 2020

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ማእከላይ ቻይና ዉሃን ኣብ ዝተባህለት ከተማ ፈለማ ከምዝተራእየ ዝንገረሉን ንዓለም ብፍርሒ ውሒጡ ዝርከብን ኮሮና ቫይረስ ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ተራእዩ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ዛጊት ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ኣይቮሪኮስት፣ ኢኳተኣል ጊኒ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣመሰላ ሃገራት ብሕማም ኮሮና ቫይረስ ዝተጠርጠሩ ሰባት ተወሺቦም ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና ከካብ ከባቢኡ ኣመልኪተን።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ኣርባዕተ በቲ ሕማም ዝተጠርጠሩ ተወሺቦም ከምዘለዉን ነቲ ሕማም ንምቁጽጻር ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ መስርሕ ምቁጽጻር (ስክሪኒን) ይትግበር ከምዘሎን ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ሓቢሩ። ብምሉኦም እቶም ተወሺቦም ዘለዉ ገያሾ ድማ ካብ ከተማ ዉሃን ዝመጹ ከምዝኾኑ ተገሊጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ኮሮና ቫይረስ ናብ ኣፍሪቃ እንተተላቢዑ ምስ ዘሎ ዋሕዲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምክልኻሉ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከምዝኸውን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።

ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ብእትገብሮ ዘላ ዳርጋ ንምሉእ እታ ኣህጉር ዝተንከፈ ወፍሪ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ቻይናውያን ኣብ ኣፍሪቃ ዝቕመጡን ካብን ናብን ሃገሮም ዝመላለሱን ብምኻኖም ጥንቁቕ ናይ ምቁጽጻር መስርሕ ከምዘድሊ ተሓቢሩ።

ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ምልክታት እቲ ሕማም ከርኢ ካብ ክልተ ክሳብ 14 መዓልታት ዘድልዮ ብምኻኑ ዝተለኽፈ ሰብ ብኣግኡ ክተለልዮ ከምዘጸግም እዩ ዝግለጽ። በዚ ምኽንያት ድማ ናብ ካልኦት ከይላባዕ ውሸባ ጥርጡራት ኣዝዩ ኣገዳሲ ይገብሮ።

ኮሮና ቫይረስ ዛጊት ኣስታት 170 ሰባት ክቐዝፍ እንከሎ 7 800 ሰባት ድማ ለኺፉ ‘ሎ።

ኮሮና ቫይረስ ኢንፍሉዌንዛ መሳሊ ኮይኑ ንስርዓት ምስትንፋስ ብፍላይ ድማ ሳንቡእ የጥቅዕ። እቲ ሕማም ናይ ምልባዕ ተኽእልኡ ኣዝዩ ቅልጡፍ ኮይኑ 2 ካብ ሚእቲ በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት ናይ ምቕዛፍ ተኽእሎ ኣለዎ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0