ኮሚተ ስልማት ኖቤል፣ ናይ ዓመተ 2019 ተሸላሚ ንዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኵናት ትግራይ ደው ከብል ጸዊዑ

Radio Erena: 13 January 2022

ናይ 2019 ናይ ሰላም ተሸላሚ ኖቤል ዝኾነ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ደው ናይ ምባል ዝልዓለ ሓላፍነት ከምዘለዎ፣ ኣብ ነወርይ ዝመደበሩ ኮሚተ ስልማት ኖቤል ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ኮሚተ፣ ንመጀመርያ እዋኑ፣ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝቀንዐ ወቐሳ ሓዘል ምሕጽንታ ዘቕርብ ዘሎ፣ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ጸቕጢ እናዛያደ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኮሚተ ስልማት ኖቤል፣ ነቲ ብገበናት ኵናት፣ ምኽልኻል ሰብኣዊ ሓገዛትን ካልእን ዝውቀስ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ብታህዋኽ ዝሃቦ ስልማት ኖቤል ከሕድጎ ዝጽውዕ ኣህጉራዊ ጎስጓስ ይካየድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ‘ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ን18 ዓመታት ንዝበረ ምፍጣጥ ብምእላይ ሰላም ጌሩን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ናይ ፖለቲካ እሱራት ብምፍታሕ፣ ተቓወምቲ ወገናት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብምዕዳምን ዝኣመሰለ ለውጢታት ኣታኣታትዩን’ ብዝብል’ዩ ኮሚተ ስልማት ኖቤል ኣብ 2019 ሸሊምዎ።

እቲ ኮሚተ፣ ኣብ ሊብያን ሶርያን ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ብዝልዓለ ኢዱ ንዝሓወሰ፣ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር፣ ባራክ ኦባማ፣ ኣብ 2009 ዝሃቦ ስልማት ኖቤል’ውን፣ ብተመሳሳሊ ህዉኽ ስጉምቲ ምንባሩ ተነቐፉ’ዩ።

ኣብ 1991 ናይ ሰላም ስልማት ኖቤል ዝተሸለመት፣ ተሓላቂት ሰብኣዊ መሰላት ነበር፣ ድሒሪ መራሒት በርማ ዝነበረት ኣን ሳን ሱ ቺ’ውን፣ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምስልምናን ዓሌት ሮሂንጋን ዝኾኑ ዜጋታት እታ ሃገር፣ ንዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ክትከውል ፈቲና ተባሂላ፣ ስልማታ ክትምንዛዕ ጻውዒት ቀሪቡ ኔሩ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ ኮሚተ ስልማት ኖቤል፣ ሓንሳእ ነቲ ስልማት ምስ ዓደሎ፣ ሓሳቡ ብምቕያር ከሕድግ ከምዘይክእል’ዩ ዝንገረሉ።

ኣብዚ ናይ 120 ዓመታት ታሪኽ ናይ ኖቤል፣ ስልማት ተዓዲሉ ዝተመንጠለ መራሒ፣ ውልቀሰብ ይኹን ትካል የለን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0