ኮሚሽን ሰ.መሰላት ኣፍሪቃ፣ ንጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ ክርኢ እዩ

ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ተቐይዱ ዝርከብ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዳዊት ኢሳቕ ብዝምልከት ንመንግስቲ ኤርትራ ሕቶ ከቕርብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

    እቲ ኮሚሽን ንጉዳይ እቲ ድርብ ዜግነት ዘለዎ ጋዜጠኛ ክርእዮ ምዃኑ ድሕሪ ዝኣተዎ መብጻዕ’ዩ፣ ናብቲ ንውዕላት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ ዝኸተም መንግስቲ ኤርትራ ሕቶ ከቕርብ ዝወሰነ።

    መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መስከረም 2001 ንኣሰናዳእቲ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብኣልማማ ድሕሪ ምቕያዱ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ንኣስታት 12 ዓመት ናብ ፍርዲ ኣየቕርቦምን።

    ምስ ስድራቤታቶም ከይራኸቡ ብምኽልካል ድማ ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ዳጒኑ ደሃዮም ከምዝጠፍእ ብምግባሩ፣ ንውዕላት እቲ ዝኸተመሉ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ይጥሕስ ብምህላዉ’ዩ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ንመንግስቲ ኤርትራ ክሓቶ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ።

    ጠበቓታት፣ እቲ ናይ ሽወደንን ኤርትራን ዜግነት ዘለዎ ዳዊት ኢሳቕ፣ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኤርትራ ዘቕረብዎ ጥርዓናት ዝኾነ መልሲ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም’ዮም ሃብየስ ኮርፕስ ብዝፈቕዶ መሰረት ጉዳዩ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርድን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃን ከምዝቐርብ ዝገበሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0