ክልተ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ፣ ን10 ዓመት ተፈሪዶም

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ፣ ምስ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ርክብ ኣለኩም ንዝበሎም ክልተ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ንኣስታት 10 ዓመት ክእሰሩ ከምዝፈረዶም ሱዳን ትሪቡን ሓብሩ።

እቶም ኦልባና ለሊሳ፣ በቀለ ገርባ ዝተባህለ መራሕቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ኦሮሞ፣ ነፍሲው ከፎም 13ን 8ን ዓመታት ክእሰሩ ዝተወሰነሎም ምኽንያት፣ ምስ ኦነግ ርክብ ኣለዎም ዝብል ክሲ እኳ እንተኾነ፣ ተጣበቕቲ ግና እቲ ብመንግስቲ ዝቐረብ ክሲ ሓቕነት ከምዘይብሉ’ዮም ዝዛረቡ።

ብዘይካ’ዞም ክልተ ፖለቲከኛታት፣ ሸውዓተ ካልኦት ኢትዮጵያውያን’ውን ብተመሳሳሊ ክሲ ካብ 3 ክሳብ 12 ዓመታት ክእሰሩ ተፈሪድዎም ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መጋቢት 2011 ኣትሒዙ 108 ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ሽዱሽተ ጋዜጠኛታትን ብተመሳሳሊ ክሲ ኣብ ቀይዲ የእትይዎም ከምዘሎ ጸብጻብ ኣምነትስ ኢንተርናሽናል የመልክት።

እንተኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቴሌቪዥን ኣልጀዚራ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተቐየደ ወልሓደ ፖለቲከኛ የለን ክብል መሊሱ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0