ክልተ ኤርትራውያን ናብ በልጅዩም ክሰግሩ ክብሉ ናብ ሓደ ናይ ኑክልየር ቀጽሪ ኣትዮም

Radio Erena: 12 July 2019

ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ኢጣልያ ናብ በልጅዩም ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ፣ ናብ ሓደ ናይ ኑክልየር ቀጽሪ ስለዝኣተዉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም።
እቶም ስሞም ዘይተገልጸ ኤርትራውያን ካብ ኢጣልያ ተበጊሳ ናብ በልጅዩም ተምርሕ ኣብ ዝነበረት ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና ተሓቢኦም ጉዕዞ ድሕሪ ምጅማሮም፣ መራሕ መኪና ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፈረንሳ ደው ምስ በለ ብኡ ንብኡ ማዕጾ ክኸፍተሎም ክኩሕኩሑ ጀሚሮም።
እንተኾነ እታ ናይ ጽዕነት መኪና ኣብ ሓደ ከቢድ ሓለዋ ዝግበረሉ ናይ ኑክልየር ትካል ኣቑሑ ከተራግፍ ደው ብምባላ፣ ሰራዊት ፈረንሳ ኣኽቢቦም ነቶም ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዉዎም ‘ፍራንስ ብሉ’ ካብታ ከተማ ሓቢሩ።
እቶም ብሰሉስ 9 ሓምለ ዝተቐየዱ ኤርትራውያን ነቲ ሓደ ካብ ግዝኣት ፈረንሳ ክወጽእ ክብየነሉ እንከሎ፣ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ግና ኣብ ትሕቲ ኣለይቲ ኮይኑ ጉዳዩ ከምዝከታተል ተገይሩ ኣሎ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ሓሙሽተ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ሞያሌ ኣቢሎም ናብ ኬንያ ክኣትዉ ኣብ ዝፈተኑሉ ብፖሊስ ኬንያ ተታሒዞም።
ምስ’ቶም ሓሙሽተ ኤርትራውያን ክልተ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ከምዝነበሩ ዝሓበረ ፖሊስ ኬንያ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ ጥሒሶም ምእታዎም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡ ክሲ ክምስረተሎም ምዃኑ ሓቢሩ።
እዚ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓድሽ ማዕበል ዝጀመረ ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከቢድ ሓደጋ የስዕብ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0