ኣብ መበል 103 ዙር ፈረንሳ ክልተ ኤርትራውያንን ሓደ ኢትዮጵያን ይቀዳደሙ ኣለዉ

ኣብ መበል 103 ዙር ፈረንሳ ክልተ ኤርትራውያንን ሓደ ኢትዮጵያን ይቀዳደሙ ኣለዉ

Radio Erena: 04 July 2016

Di Dani

ብቀዳም 2 ሓምለ ኣብ ዝጀመረ መበል 103 ቅድድም ብሽክለታ ዙር ፈረንሳ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን ናትናኤል ብርሃንን ንክለብ ዳይመንሽን ዳታ ወኪሎም ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብዚ ውድድር፣ ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ገብረማርያም’ውን ምስ ኢጣልያዊት ክለብ ብምዃን ኣብ ዙር ፈረንሳ ፈላሚ ቅድድሙ የካይድ ምህላዉ ማዕከናት ዜና ስፖርት ገሊጸን።

ካብ ኤምቲኤን ኩቤካ ናብ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ዝቐየረት ደቡብ ፍሪቃዊት ጋንታ፣ ክልተ ኤርትራውያንን ዝርከብዎም ሸሞንተ ተቀዳደምቲ ሒዛ፣ ካብ ማውንት ሳን ሚሸል ክሳብ ዩታ ቢች ኣብ ዘካየደቶ ናይ 188 ኪሎሜተር ፈላሚ ውድድር፣ እንግሊዛዊ ወዲ ጋንትኦም ማርክ ካቫንዲሽ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ኮይኑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ መበል 102 ቅድድም ዙር ፈረንሳ፣ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ንፈለማ እዋኖም ዝተወዳደሩ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ብምዃን ታሪኽ ከምዝሰርሑ ኣይርሳዕን።

ብዘይካ’ዚ’ውን ብናይ ግዜ ቅድድም ንመበል 102 ዙር ፈረንሳ ዝኸፈተ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት፣ንተኸታታሊ ኣርባዕተ መዓልታት ማልያ “ኣንበሳ ዓቐብ” ዝለበሰ ናይ መጀመርያ ኣፍሪቃ ክኸውንን ከምዝበቕዐ ይዝከር።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0