ክልል ትግራይ፣ ወራር ኣንበጣ ንምምካት ዝዓደጋ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት፣ ናይ ጸጥታ መለክዒታት ከተማልእ ብዘይምኽኣላ ከምዝተታሕዘት መንግስቲ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 14 ጥቅምቲ 2020

ክልል ትግራይ፣ ወራር ኣንበጣ ንምምካት ካብ ወጻኢ ዝዓደጋ ሰብ ኣልቦ በራሪት ወይ ድሮን ናይ ድሕነት ወይ ጸጥታ መስፈሪታት ከተማልእ ብዘይምኽኣላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተዓግተት ሓላፊ ወኪል ድሕነት መርበብ ሓበሬታ ዶ/ር ሹመቴ ግዛው ኣፍሊጡ።

ንሱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እታ ስርሓት ቻይና ዝኾነት ሰብ ኣልቦ በራሪት፣ ካብ እስራኤል ከምዝተሸመተት ብምጥቃስ፣ መንግስቲ ክልል ትግራይ፣ ኣብ ምንጻግ መድሃኒት ጸረ ኣንበጣ ከምእትውዕል ምሕባሩ ጠቒሱ።

እንተኾነ፣ እታ ሰብ ኣልቦ በራሪት፣ ናይ ድሕነትን ጸጥታን መልክዒታት ከተማልእ ብዘይምኽኣላ፣ ናብ ትግራይ ክትልኣኽ ከምዘይተፈቕደላ ኣረጋጊጹ።

ማዕከናት ዜና ክልል ትግራይ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነታ ኣብ መኸተ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ክትውዕል ዝዓደጋ ሰብ ኣልቦ በራሪት ምዕጋቱ፣ መቐጸልታ ናይቲ ነቲ ክልል ንምንጻልን ንምጥቃዕን ዝገብሮ ዘሎ ወፍሪ ምዃኑ’የን ዝወቕሳ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ ሕርሻን ልሙዕ መሬትን ከቢድ ጉድኣት ኣብ ምውራድ’ዩ ዝርከብ።

እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዛጊት ብነፈርቲ ጸረ መድሃኒት ክነጽግ ኣይተራእየን።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0