ኬንያ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዘተኣሳስር መስመር “ላሙ ኮሪደት” ንምህናጽ ዘኽእል ገንዘብ ብሓባር ምእካብ ዘኽእል ስምምዕ ተኸቲሙ

Radio Erena: 29 January 2020

ኬንያ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዘተኣሳስር መስመር “ላሙ ኮሪደት” ንምህናጽ ዘኽእል ገንዘብ ብሓባር ከዋጽኣ ዘኽእለን ስምምዕ ከቲመን።

እቲ ስምምዕ ዝተኸተመ ወከልቲ ሰለስቲኤን ሃገራት ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝተጋብእሉ’ዩ።

እቲ ካብ ወደብ ላሙ ናይ ኬንያ ተበጊሱ፣ ንኢትዮጵያ ሰንጡቑ ክሳብ ደቡብ ሱዳን ዝዝርጋሕ መስመር፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደ ካብ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ቁጠባ ኮይኑ፣ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ ክዛዘም ትጽቢት ተነቢርሉ ኣሎ።

እንተኾነ ነቲ ፕሮጅከት ንምምዋል ዝተገመተ ኣስታት 29 ቢልዮን ዶላር፣ ብኸመይ ይተኣከብ ኣብ ዝብል ገና መዕለቢ ዘይረኸበ ጉዳይ’ዩ።

እቲ ላፕሰት ወይ ድማ ላሙ ኮሪደር እናተባህለ ዝፍለጥ ፕሮጀከት፣ ፈለማ ኣብ 1975 ዝተነድፈ እኳ እንተኾነ ክሳብ 2013 ናብ ግብሪ ከይተሰጋገረ’ዩ ጸኒሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ወደብ ላሙ ናይ ምግፋሕን ካልእ መሰረታዊ ህንጻዊ ስርሓተን ተኻይድሉ።

እቲ ፕሮጀከት፣ ንከተማታት ላሙን ኢሶሎን ናይ ኬንያ፣ ጁባን ኣዲስ ኣበባን ዘራኽብ ኮይኑ፣ መስመራት ሻምብቆ ነዳዲ፣ ጽርግያታትን መንገዲ ባቡርን ዘጠቓለለ’ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0