ኬንያ ናብ ዳዕሽ ክጽንበሩ ሓሲቦም ዝበለቶም 3ተ ዜጋታታ ናብ ፍርዲ ኣቕሪባ

Radio Erena: 11 May 2023

ኬንያ ናብ ዶብ ሶማል ብምስጋር፡ ምስቲ ኣብ ሶማል ዝነጥፍ ዕጡቕ ጉጅለ ዳዕሽ ክጽንበሩ ፈቲኖም ዝበለቶም ሰለስተ ዜጋታታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምእታው ናብ ፍርዲ ኣቕሪባ።

እቶም ኣብ ኣውቶቡስ ተሰቒሎም፣ ብመንገዲ ሞያሌ ዶብ ንምስጋር ዝፈተኑ ሰለስተ ኬንያውያን፣ ኣብ ምምሕዳር ኢስዮሎ ምስ በጽሑ ብ 07 ሚያዝያ ከም ዝተታሕዙ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣቐዲሙ ቤት ፍርዲ ኬንያ ኣብ ልዕሊ’ዞም ጥርጡራት ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ብምሕላፍ፣ ፖሊስ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ሃዲኑ ናብ ሕጊ ከቕርቦም ወሲኑ ነይሩ።

እቶም ካብ ታንዛንያ ተበጊሶም ዝተፈላለያ ሃገራት ብምጥሓስ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ጥርጡራት፡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ንምስጋር ኣብ ዝፈተንሉ እዋን እዮም ብፖሊስ ኬንያ ተታሒዞም።

እቶም ጥርጡራት ብተወሳኺ፡ ብቕትለት ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ክህደኑ ምጽንሖም መርበባት ዜና እታ ሃገር ኣገንዚበን።

ኣብ ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ሞዛንቢክ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ዞባ ሳሕልን ከም ዝንቀሳቐስ ዝንገረሉ ዕጡቕ ጉጅለ ዳዕሽ ሶማል፣ ነታ ንልዕሊ 30 ዓመታት ርጉእ ማእከላይ መንግስቲ ዘይብላ ሃገር፣ ከም ኣውራ ደጀኑ ከም ዝጥቀመላ ጸብጻባት የመልክቱ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0