ኬንያ ምስ ሶማል ዘዳውባ 700 ኪሎሜተር ክትሓጽሮ ጀሚራ

ኬንያ ምስ ሶማል ዘዳውባ 700 ኪሎሜተር ክትሓጽሮ ጀሚራ

Radio Erena: 02 December 2015

ken fence

ኬንያ ምስ ሶማልያ ዘዳውባ 700 ኪሎሜተር ክትሓጽሮ ጀሚራ።

እቲ ብመንደቕን ናይ ትሪኮላታን ገመድን ዝቐውም ዘሎ ሓጹር፣ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኬንያ ካብ እትርከብ ከተማ ማንደራ ተበጊሱ ክሳብ’ታ ኣብ ጫፍ ደቡባዊ ምብራቕ እታ ሃገር ከተማ ኪዩንጋ ክዝርጋሕ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብ መንጎ’ቲ ዝዝርጋሕ ሓጹራት ከኣ፣ መቆጻጸሪ ነቑጣታት ክግበረሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።

 

ዕጡቓት ኣልሸባብ ዶባ ኬንያ እናሰገሩ፣ ኣማኢት ኬንያውያን ድሕሪ ምቕታሎም፣ ምክትል ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፣ “ክንዲ ዝሓተተ ዋጋ ይሕተት፣ ውሕስነት ኬንያ ከነረጋግጽ ኣሎና፣” ክብል ምግላጹ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ኬንያ ጸጥታ ዶባት እታ ሃገር ከውሕስ ብዘይምኽእሉ ካብ ህዝቢ ነቐፌታ ክዘንቦ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ መንግስቲ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ካብ ህዝቢ ዝወረዶ ነቀፌታ ዶባት ኬንያ ብሓጹር ንምዕጻው ፕሮጀክት ከምዘዳለወ እኳ እንተሓበረ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውያን’ታ ሃገር ተቓውሞ ይውሕዞ ኣሎ።

ጸጥታ ዶብ ኬንያ ብመናድቕን ናይ ትሪኮላታ ገመድን ዘይኮነ ብወትሃደራዊ ስለያ ሓይልን ክጸንዕ ከምዘለዎ’ዮም ርእይቶ ዝህቡ።

ኣብቲ ምስ ሶማል ዘዳውብ ከባቢታት ዝተዋፈሩ ኣባላት ሰራዊትን ሓይልታት ጸጥታን ኬንያ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግድን ካልእ ብልሽውናን ብምውፋሮም፣ ኣልሸባብ ብዘይጸገም ክንቐሳቐስ ይኽእል ከምዘሎ’ዩ ዝንገረሉ።

እቲ ድሮ ክህነጽ ጀሚሩ ዘሎ ሓጹር፣ ኣብ ውስጢ’ዚ ክልተ ዓመት ምሉእ ብምሉእ ከምዝዛዘም ትጽቢት እኳ እንተሎ፣ ኣብ ምህናጽ’ቲ ሓጹር ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት ብጉዳይ ደሞዝን ካልእን ምዕዝምዛማት የስምዑ ብምህላዎም፣ ምዝዛም እቲ ሓጹር ካብቲ ዝተወጠነሉ ንላዕሊ ክናውሕ ከምዝኽእል ይግመት።

=========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0