ኬንያ ምስ ሶማልያ ዘዋስና 3 ኪሎሜተር ዶብ ሓጺራ

Radio Erena: 06 December 2016

Ken som

ኬንያ፣ ምህናጽ ሓጹር ናይቲ ምስ ሶማልያ ዘዋስና 3 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ዶብ ከምዝዛዘመት ኣፍሊጣ።

ኣልሸባብ ዶባ ሰጊሩ ኣብ ጋሪሳ ድሕሪ ዝፈጸሞ ህልቂት ሰለማውያን ሰባት፣ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ምስ ሶማል ዘዋስን ዶብ ብመንደቕን ስልኪ(ትሪኮላታ)ን ክሕጸር ኣብ 2015 ከምዝወሰነ ዝዝከር’ዩ።

እንተኾነ ኣብ ምህናጽ እቲ ሓጹር ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት፣ እኹል ደሞዝ ክኽፈሎም ብዘይምኽኣሉ፣ እቲ ዕማም ተሰናኺሉ’ዩ ጸኒሑ።

ኣባላት ሰራዊት ኬንያ ኣብ ምህናጽ እቲ ሓጹር ድሕሪ ምውፋሮም ግና፣ ካብ ሶማል ቀንዲ መሰጋገሪ ከባቢታት ዘጠቓለለ 3 ኪሎሜተር ዶብ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተሓጽረ፣ ኣዛዚ ክፍሊ ምህንድስና ሰራዊት ኬንያ ሜጀር ጀነራል ቸፕኩቶ ኣረጋጊጹ።

ኣብዚ ዝቕጽል ኣርባዕተ ኣዋርሕ’ውን፣ ንጸጥታ ኣገዳሲ ዝተባህለ ምስ ሶማል ዘዋስን ኣስታት 30 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ክፋል ዶብ ክሕጸር ምዃኑ እቲ ኣዛዚ ኣመልኪቱ።

ኬንያን ሶማልያን ኣስታት 710 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ዶብ’ዩ ዘለወን።

ኬንያ ምስ ግዜ ንብምሉኡ’ቲ ምስ ሶማል ዘዋስና ዶባ ክትሓጽሮ መደብ ከምዘለዋ’ያ ትገልጽ።

ይኹን’ምበር ምህናጽ እዚ ናይ ዶብ ሓጹር፣ ንኬንያ ምሉእ ናይ ጸጥታን ድሕነትን ውሕስነት ከምዘይህባ ዘመልከቱ ተንተንቲ፣ እታ ሃገር ፣ ውሽጣዊ ስለያውን ጸጥታውን መሓውራ ከተደልድል’ዮም ዝመኽሩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0