ኬንያ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ልዕሊ 1000 ሶማላውያን ገፊፋ

ኬንያ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ልዕሊ 1000 ሶማላውያን ገፊፋ

Radio Erena: April 8, 2014

Somalis held in kenya

ኬንያ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ዜጋታት ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ምግፋፍ ስርሒት ከተካይድ ከምዝጀመረት ተገሊጹ።

ፖሊስ ኬንያ ድሮ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ከተማ ናይሮቢ ብዘካየዶ ሃንደበታዊ ግፋ፣ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ኣስታት ሓደ ሽሕ ሶማላውያን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ኣፍሊጡ።

እቶም ካብ ሓያሎ ከባቢታት ከተማ ናይሮቢ ዝተገፉ ቆልዓን ሰበይቲ’ውን ዝርከብዎም ሶማላውያን፣ ኣብ ካሳራኒ ስታድዮም ተኣኪቦም ከምዘለው’ውን ኣብ ናይሮቢ ዝመደበሩ ሰራሕተኛ ኤምባሲ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ኣረጋጊጹ።

 

ኬንያ እቶም ኣብ ቀይዲ የእትያቶም ዘላ ኣስታት ሓደ ስሕ ሶማላውያን ናብቲ ኣብ ዶብ ሶማል ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ክኣቱ ወይ ድማ ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ዝብል ኣማራጺታት ኣቕሪባ ከምዘላ’ዩ ዝሕበር።

ኣምባሳደር ሶማል ኣብ ኬንያ መሓመድ ዓሊ ኑር ብወገኑ፣ ነቶም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሶማላውያን ናብ ሶማል ዝምለስሉ መስርሕ ከቐላጥፍ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ናይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ዜጋታት ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ድማ ንሶማላውያን ናይ ምግፋፍ ስርሒት ብትእዛዝ ፕረዚደንት ኬንያ፣ ኡሁሩ ኬንያታ’ዩ ተፈጺሙ።

ኬንያ ብፍላይ ኣብ ከተማ ናይሮቢ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም 10ታት ኣሽሓት ዜጋታት ሶማል ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብፍላይ ሶማላውያን ምስ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ምትእስሳር ከይህልዎም ካብ ዝብል ስግኣት’ያ ኬንያ ነዚ ናይ ግፋ ስጉምቲ ትወስድ ዘላ።

ኣብ ኬንያ ብተደጋጋሚ ብዝፍጸም ዘሎ ሽበራዊ መጥቃዕታት፣ እታ ሃገር ከቢድ ጸጥታዊ ስኽፍታ ኣንጸላልዩዋ ከምዘሎ ይንገር።
=============================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0