ኬንያ መበል 50 ዓመት ናጽነታ ብድምቐት ጸምቢላ

Radio Erena: December 13, 2013

 

ኣብ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ካሳራኒ ስታድዮም ዝተኻየደ ጽምብል መበል 50 ዓመት ናጽነት፣ መራሕቲ ሃገራት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ሶማልያ፣ ኡጋንዳ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ታንዛንያ፣ ኮንጎ፣ ብሩንዲ፣ ቦትስዋና፣ ሲርላንካን ካልኦትን ዝርከብዎም ልዕሊ 15 መራሕቲ ሃገራትን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ተሳቲፎም።

እዚ ኬንያ ዝጸንበለቶ መበል 50 ዓመት ናጽነት፣ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዝተገብረሎም ዕድመ መሰረት ኣብቲ ጽምብል ምስታፎም፣ መርኣያ ናይቲ ኬንያ ዘለዋ ናይ ዲፕሎማሲ ጽልዋ ምዃኑ ይዝርበሉ።

 

ናብ ሃገራት ኣፍርቃ ብዙሕ መገሻታት ዘየዘውትር ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን ኣብ መበል 50 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኬንያ ምስታፉ፣ ነቲ ብጉዳይ ሶማል ካብ ኬንያ ክቐርበሉ ዝጸንሐ ነቐፌታ ንምውጋድ ዝዓለም ናይ ዲፕሎማሲ ተበግሶታት’ዩ ክብሉ ዝገለጽዎ ኣለዉ።

እዚ መበል 50 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኬንያ ካልእ ፍሉይ ዝገብሮ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፣ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ክራኸቡ እዚ ንመጀመርያ እዋኑ ምዃኑ’ዩ።

ኣዚ ናይ ኬንያ ጽምብል፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበን ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ኣስማቶም ኣብቲ ናይ ዕድመ ዝርዝር ኣስማት ከምዘይነበረ ሓያሎ ማዕከናት ዜና ጠቒሰን።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0