ኬንያ፣ ካብን ናብን ሶማል ዝካየድ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረታታት ደው ኣቢላ

Radio Erena: 13 May 2021

ኬንያ፣ ካብን ናብን ሶማል ዝካየድ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ብምሉኡ ደው ኣቢላቶ።

እታ ሃገር ነዚ ስጉምቲ ትወስድ ዘላ፣ ሳልስቲ ድሕሪ’ቲ ምስ ሶማል ዛሕቲሉ ዝጸንሐ ዝምድናኣ ብመንጎኝነት ቀጠር ናብ ንቡር ከምዝተመልሰ ኣብ ዝተገልጸሉ እዋን’ዩ።

በዓል መዚ ኣቭየሽን ኬንያ ኣብ ዘመሓላለፎ ሓበሬታ፣ ብዘይካ ንህጹጽ ሕክምናዊ ሰብኣውን ጉዳያት፣ ኩሉ’ቲ ካብን ናብን ሶማል ዝካየድ ዝነበረ ናይ ነፈርቲ መጓዓዝያታት ካብ 11 ግንቦት ክሳብ 9 ነሓሰ ደው ኢሉ ክጸንሕ ከምዝተወሰነ ኣፍሊጡ።

ኬንያ፣ ካብን ናብን ሶማል ዝካየድ ዝነበረ ናይ ናይ ነፈርቲ መጓዓዝያ ደው ከተብሎ ዝወሰነትሉ ምኽንያት ኣየነጸረትን።

እንተኾነ፣ በዓል መዚ ኣቭየሽን ሶማል፣ ጫት ዝጸዓና ናይ ንግዲ ነፈርቲ ኬንያ ድሕሪ ምእጋዱ ዝተወስደ ግብረ መልሲ ክኸውን ከምዝኽእል ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ግምታቶም ይህቡ።

ኣቐዲመን ብጉዳይ ዋንነት ክሊ ማይ ክሰሓሓባ ዝጸንሓ ሶማልን ኬንያን፣ ምስ ምርጫ ሶማል ተተሓሒዙ ድማ ኬንያ ንርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ ብምድጋፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ትኣቱ ኣላ ብዝብል ክሲ፣ መንግስቲ ሶማል ኣብ ናይሮቢ ዝነበረ ኣምባሳደሩ ብምስሓብ፣ ዝምድንኡ ኣዛሕቲሉ’ዩ ጸኒሑ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ድማ፣ መንግስቲ ሶማል፣ ምስ ኬንያ ኣዛሕቲልዎ ዝጸንሐ ዝምድና ብሓገዝ ቀጠር ናብ ንቡር ከምዝተመልሰ ኣፍሊጡ።

ቀጠር፣ ዝምድና እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ናብ ንቡር ንምምልስ ምስ ክልቲኦም ፕረዚደንታት ብምርኻብ ክትሰርሕ ከምዝጸንሐት፣ ሚኒስተር ጉዳያት እታ ሃገር፣ ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ኣልታኒ ንሮይተርስ ገሊጹ።

መንግስቲ ኬንያ፣ ብዛዕባ’ቲ ብመንጎኝነት ቀጠር ናብ ንቡር ተመሊስ ዝብሃል ዘሎ ዝምድና ወግዓዊ መግለጺ ከይሃበሉ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ብሃንደበት ካብን ናብን ሶማል ዝካየድ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ደው ክብል ወሲኑ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0