ኬንያ፣ ንካልኣይ እዋኑ ኣብ ዝተደግመ ምርጫ፣ ፕረዚደንት ኬንያታ ደጊሙ ተዓዊቱ

ኬንያ፣ ንካልኣይ እዋኑ ኣብ ዝተደግመ ምርጫ፣ ፕረዚደንት ኬንያታ ደጊሙ ተዓዊቱ

Radio Erena: 1 November 2017

Kenyatta 2

ኣብ ኬንያ፣ ብ26 ጥቅምቲ ኣብ ዝተደግመ ሓፈሻዊ ምርጫ እታ ሃገር፣ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ደጊሙ ተዓዊቱ።

ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ብ30 ጥቅምቲ ኣብ ዝዘርግሖ ወግዓዊ ውጽኢት ምርጫ፣ 98 ሚእትዊት ናይቲ ድምጹ ዝሃበ ህዝቢ ብምርካብ ኡሁሩ ኬንያታ ከምዝተዓወተ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ 39 ሚእታዊት ናይቲ ኣብ ፈለማ ዘድመጸ ህዝቢ፣ ኣብዚ ድግማ ምርጫ ከምዘይተሳተፈ’ዩ ዝግለጽ።

ፕረዚደንት ኬንያ ኣብ 8 ነሓሰ ኣብዝ ተኻየደ ምርጫ 54 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፣ እቲ ምርጫ ሕጋዊ መስርሕ ኣይተኸተልን ብዝብል ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ውዱቕ ጌርዎ’ዩ።

እቲ ምርጫ ክድገም ብቤት ፍርዲ ድሕሪ ዝተዋህበ ውሳኔ፣ ን26 ጥቅምቲ ክካየድ መደብ እኳ እንተተታሕዘሉ፣ ቀንዲ መወዳድርቲ እቲ ፕረዚደንት ራይላ ኦዲንጋ ካብቲ ምርጫ ብምስሓቡ፣ ቁጽሪ ኣድመጽቲ ብ10ታት ሚልዮናት ክጎድል ከምዝኸኣለ ተንተንቲ ፖለቲካ ካብታ ሃገር የረድኡ።

ኣብዚ ህቡብ ፖለቲከኛ እታ ሃገር ራይላ ኦዲንጋ ዘይተሳተፎ ምርጫ፣ ፕረዚደንት ኬንያታ ብዘይዝኾነ ብድሆ ክዕወት ምዃኑ ኣቐዲሙ ክግመት ጸኒሑ’ዩ።

ኣብዚ ናይዚ ሰሙን’ዚ ምርጫ፣ ደገፍቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት፣ ኣብ ዘካየድዎ ናዕብን ዕግርግርን ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዱ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0