ኬንያ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተወኒኑ ዝጸንሐ ልዕሊ 5 ሽሕ ጠበናጁ ኣቓጺላ

Radio Erena: 16 November 2016

Kenya

መንግስቲ ኬንያ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብውልቀሰባት ተወኒኑ ጸኒሑ ንዝበሎ ልዕሊ 5200 ጠበናጁ ከምዘቃጸለ ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።

እቲ ጠበናጁ ብ14 ሕዳር ኣብ ዝተቓጸለሉ እዋን፣ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ዊልያም ሮቶን ካልኦት ሰበ ስልጣን መንግስትን ኢንተርፖልን ከምዝተረኽቡ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

መንግስቲ ኬንያ፣ ጸጥታ እታ ሃገር ብሰንኪ’ቲ ኣልሸባብ ዝፍጽሞ ዘሎ ተደጋጋሚ ስልኳታት ኣብ ሓደጋ ወዲቕሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ኢድ ውልወሰባት ጸኒሑ ንዝበሎ ጠባናጁ ዘቃልጽ ዘሎ።

ኣብ ኬንያ፣ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ጠበናጁ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብውልቀሰባትን ጉጅለታትን ከምዝውነን’ዩ መንግስቲ ዝገልጽ።

መብዛሕትኡ እቲ ጠበናጁ፣ ካብ ሶማል ዝሰገረ ኮይኑ፣ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝፍጸም ሽበራዊ መጥቃዕታትን ምስ ዝምታን ስርቂን ዝተተሓሓዘ ገበናትን ይውዕል ምህላዉ እቲ መንግስቲ ይእመን።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0