ካናዳ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዕደና ዘካይዳ ንዘለዋ ኩባንያታታ ዝምርምር ናጻ ኣካል  ከተቕውም’ያ

ካናዳ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዕደና ዘካይዳ ንዘለዋ ኩባንያታታ ዝምርምር ናጻ ኣካል ከተቕውም’ያ

Radio Erena: 20 December 2017

Nevsun22

መንግስቲ ካናዳ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዕደና ዘካይዳ ንዘለዋ ኩባንያታት እታ ሃገር ዝቆጻጸርን ዝምርምርን ናጻ ኣካል ከተቕውም ምዃና ኣፍሊጣ።

እቲ ካብ መጀመርያ 2018 ኣትሒዙ ኣብ ስራሕ ዝነጥፍ ኣካል፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝርከባ ኩባንያታት ዕደና ካናዳ፣ ንጥፈታተን ኣብ ምምርማርን ምጽራይን ከምኡ ድማ ምልጋስ ምኽርን ክሰርሕ ምዃኑ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ንግድን ወፍርን እታ ሃገር ፍራንስዋ ፊሊፕ ሻምፓኝ ንሮይተርስ ሓቢሩ።

ካናዳ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን 102 ሃገራት፣ ኣብ ዳህሳስን ኩዕታን ወርቂ፣ ኣልማዝ፣ ነዳድን ካልእ ማዕድናትን ዝተዋፈራ ኩባንያታት ኣለዋኣ።

እዚ ድማ ሰለስተ ርብዒ ናይቲ ኣብ ዓለምና ዝካየድ ዘሎ ኩዕታን ዳህሳስን ማዕድናት ብኩባንያታት ካናዳ ይካየድ ከምዘሎ’ዩ ዘነጽር ጸብጻብ ሮተርስ።

መንግስቲ ካናዳ፣ ነዘን ኤርትራ ኣብ እትርከብን ሃገራት ዝርከባ ኩባንያታት ዕደና ዝቆጻጸርን ዝምርምርን ትካል ከቕውም ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ እዘን ኩባንያታት ኣብ ዝተዋፈራሉ ሃገራት ምስ ጨቆንቲ ስርዓታት ብምትሕብባር፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብምፍጻም፣ ደቀባት ነበርቲ ዕደና ዝካየደሉ ከባቢታትን ካብ መነባብርኦም ብምምዝባልን ኣከባብያዊ ብከላ ብምስዓብን ዝተፈላለየ ክስታት ይውሕዘለን ብምህላዉ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ናይ ካናዳ ኩባንያ ኔቭሰን፣ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ተመዲቦም ንዝመጽእዎ ኤርትራውያን ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ስራሕ ብምውፋሩ፣ ብባርነትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ተኸሲሱ፣ እቲ ጉዳይ ኣብ ካናዳ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ይርአ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እቲ ክሲ ፈለማ ግዳያት እቲ ምዝመዛ ኮይና ኢና ብዝበሉ ሰለስተ ኤርትራውያን ኣብ 2014 ድሕሪ ምጅማሩ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ተመሳሳሊ ክሲ ናይ ዘቕረቡ ብዝሒ ኤርትራውያን 57 በጺሑ ኣሎ።

ኣብዚ ብኔቭሰን ዝካየድ ዘሎ ዕደና ቢሻ፣ ብደረጃ ሃገራዊ ኣገልግሎት ይኹን ካልእ ዝተመደብኩም፣ ኣብዚ ናይ ክሲን ካሕሳን መስርሕ ክትጽንበሩ እትደልዩ ወገናት ናብ 00 44 79 85 18 42 67 ብምድዋል ክትውከሱ ትኽእሉ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0