ካናዳ፣ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ እገዳ ከተነብር፣ ሓያሎ ማሕበራትን ተጣበቕቲ መሰላትን ጸዊዐን

Radio Erena: 07 October 2021

ካናዳ፣ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ እገዳ ከተንብር፣ ሓያሎ ኣህጉራውያን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጸዊዐን።

እተን ኣብ ምጥብቃ መሰል ጋዜጠኛታት፣ ደረስትን ካልእ ምስ መሰላት ሓሳብካ ምግላጽ ዝነጥፋ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ትካላት፣ ወከልቲ ጨንፈራተን ብዝኸተምሉ ደብዳቤ ኣቢለን ኣብ ዘቕረብኦ ናይ ጥርዓን ጻውዒት፣ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ኤርትራዊ- ሽወደናዊ ዳዊት ኢሳቕ ዝርከቦም ጋዜጠኛታት ን20 ዓመታት ብዘይሕጋዊ መስርሕ ከምዝኣሰሩ ኣዘኻኺረን።

እቶም ሰበ ስልጣን፣ ከበድቲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ስለዝፈጸሙ፣ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክኸሱ’ውን እተን ማሕበራት ብልፍንቲ ድጋፈን ገሊጸን።

ገለ ካብቶም ኣብቲ ጻውዒት ክታሞም ዘንበሩ ወከልቲ ማሕበራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ፣ ኮሚተ ምጥባቕ ጋዜጠኛታት፣ ፔንን ራውል ዌለንበርግን ይርከብዎም።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0