ካናዳ፣ ብቕትለት ኤርትራዊ ዝህደን ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ኣቐዲሙ ብሽጉጥ ተሰንዩ ብዝፈጸሞ ናይ ስርቂ ገበን ብዋሕስ ተፈቲሑ፣ ቆጸራ ቤት ፍርዲ ይጽበ ምንባሩ ተሓቢሩ

Radio Erena: 02 January 2023

ኣብ ካናዳ፣ ከባቢ ካልጋሪ፣ ፎረስት ላውን ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝርከብ ባርን ቤት መግብን፣ ብቕትለት ኤርትራዊ መንእሰይ ዝህደን ዘሎ ዮሴፍ ሓጎስ፣ ኣቐዲሙ ሽጉጥ ዓጢቑ ኣብ ስርቂ ብምውፋር ተኣሲሩ ምንባሩን ብዋሕስ ዝተፈትሐ ምዃኑን ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ገሊጹ።

22 ዓመት ዝዕድሚኡ ዮሴፍ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፣ ኣብ ከባቢ ሳስካሽዋን ኣብ ዝርከብ ሞስ ጃው ፋርማሲ፣ ምስ ስርቂ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቶዅሲ ምልውዋጥ ተሃዲኑ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ማእሰርቲ ከምዝኣተወ’ዩ ጸብጻብ ኣኽባር ሕጊ ዝጠቅስ።

ብዋሕስ ድሕሪ ምፍትሑ፣ ን8 መጋቢት 2023 ጉዳዩ ኣብ ዞባዊ ቤት ፍርዲ ሳስካሽዋን ንኽርአ መደብ ተታሒዙ ኔሩ።

እንተኾነ፣ ኣብ 25 ታሕሳስ፣ ልደት መዓልቲ፣ ምስ ካልኦት ኣብ ምዝንጋዕ እንከለዉ፣ 24 ዓመት ንዝዕድሚኡ፣ ሳሙኤል ወልዳይ ሃይለ ንዝተባህለ ኤርትራዊ ቶኵሱ ብኸቢድ ኣቝሲልዎ ተሰዊሩ።

ብኸቢድ ዝቖሰለ ሳሙኤል፣ ኣብ ሆስፒታል ምስ በጽሐ’ዩ ሞይቱ።

ህዝቢ፣ ነቲ ብካልኣይ ደረጃ ቅትለት ተጠርጢሩ፣ ኣብ መላእ ካናዳ ዝህደን ዘሎ ዮሴፍ ኣብ ምርካብ ክተሓባበር ፖሊስ ዘርጊሕዎ ኣብ ዘሎ ህዝባዊ ጻውዒት ተማሒጺኑ።

እቲ ጥርጡር፣ ብረት ዝዓጠቐን ሓደገኛ ተጻባኢን ክኸውን ከምዝኽእል ፖሊስ ኣብ መጸዋዕትኡ ኣጠንቂቑ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0