ካብ ጢዖ ዝተበገሱ ሓያሎ ኤርትራውያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሃለዋቶም ጠፊኡ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ጢዖ ተበጊሶም ብንእሽቶ ጃልባ ቀይሕ ባሕሪ ብምስንጣቕ ናብ የመን ንምስጋር ዝፈተኑ 10ታት ኤርትራውያን ሃለዋቶም ከምዝጠፍአ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

 

እቶም ብውሕዱ ሰለስተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ዝርከብዎም ኤርትራውያን፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጢዖ ዝነበረት ንእሽቶ ጃልባ ሰሪቖም ናብ የመን ገጾም ከምዘምርሑ ዝሓብሩ እቶም ምንጭታት፣ ስብርባር ናይታ ጃልባ ብባሕሪ ተገፊዑ ናብ ገማግም ጢዖ ድሕሪ ምምላሱ ዋናታ’ታ ጃልባ ከለልያ ከምዝኸኣለ’ውን ኣረዲኦም።

ሃለዋት ናይቶም ኤርትራውያን ግና ዛጊት ክፍለጥ ብዘይምኽኣሉ፣ ጥሒሎም’ዮም ዝብል ስግኣት ኣሎ።

ወለድቲ ናይቶም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሃለዋትም ጠፊኡ ዘሎ ኤርትራውያን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ብዝምልከት ናብ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ከምዝሓበሩ’ውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

ካብ ከባቢ ዓሰብ ብንኣሽቱ ጀላቡ ተበጊሶም ናብ የመን ዝሃድሙ ናይ ዘለዉ በርጌስ ኤርትራውያንንን ኣባላት ሓይሊ ባሕርን ቁጽሪ እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0