ካብ ገዝኡ ምስ ወጸአ ደሃዩ ካብ ዝጠፍአ ሳልስቲ ዝገበረ ኢትዮጵያዊ ጀነራል፣ ኣብ ማእሰርቲ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 19 May 2022

ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ኮይኑ ኣብ ዝተመዘዘ፣ ብርጋደር ጀነራል ማሞ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ምስ ወጸ፣ ደሃዩ ከምዝጠፍአ ንበዓልቲ ቤቱ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ኣብ ባህርዳር ዝመደበሩ ጀነራል፣ ኣብ ግዜ ኢህወደግ ኣብ ዝተሳተፎ ውግኣት፣ ኣብ ኣካላቱ ንዝርከብ ስኬጆታት ሕክምናዊ ክትትል ንምግባርን ንወዱ ናብ ዩኒቨርሲቲ ንምምዝጋብን ቅድሚ ሰሙን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝመጸ’ያ በዓልቲ ቤቱ መነን ሃይለ ገሊጻ።

ብ15 ግንቦት ወጋሕታ፣ ሰብ ክረክብ ኢሉ ካብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ መንበሪ ቤቱ ምስ ወጸ ድማ ምስ መኪናኡ ብኡ ኣቢሉ ከምዝጠፍአ ኣመልኪታ።

እቲ ፍጻሜ ‘ተራ ናይ ገበን ምጭዋይ’ዩ’ ዝብል እምነት ከምዘይብላ ዝጠቐሰ በዓልቲ ቤቱ፣ ንፖለቲካውያን መራሕቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ንየቕፎምን ብቕዓት ከምዘይብሎ ይጠቕስን ስለዝነበረ፣ ምጥፍኡ ምስዚ ዝተሓሓዝ ክኸውን ከምዝኽእል ኣተንቢሃ።

ንሳ፣ ብ18 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ ሓድሽ ሓበሬታ ድማ፣ ኣብ ባህርዳር ኣብ ማእሰርቲ ከምዘሎ ጠቒሱ።

እቲ ጀነራል፣ ንኣመራርሓ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ወትሃደራዊ ብቕዓት ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝተኸተሎ ስልቲን ክነቅፍ’ውን ይስማዕ ኔሩ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ ምጥፋእ ሓደ ካብ ላዕለዎት ጀነራላቱ ኣመልኪቱ ዛጊት መግለጺ ኣይሃበሉን።

ብርጋደር ጀነራል ተፈራ ማሞ፣ ኣብ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ፣ ብዕልዋ ተኸሲሱ ኣብ ማእሰርቲ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡን ኵናት ትግራይ ምስ ምውልዑን ድማ ኣብ ሓምለ 2021 ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ክኸውን ተመዚዙ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0