ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ጀኔቫ ዝተኣኻኻቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ጀኔቫ ዝተኣኻኻቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ

Radio Erena: 26 June 2015

demo Geneve

እቶም ኤርትራውያን ሎሚ ዓርቢ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝጀመርዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ከብቕዕ ብምጽዋዕ፣ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ’ቲ ገበናውት ኣንጻር ደዊ ሰብ ዝፍጽም ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን መሻርኽቱን ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ይጽውዑ ኣለዉ።

እቶም ዝተፈላለየ ጭርሖታት ብምልዓለ ናብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝውሕዙ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቀረበ ጸብጻብ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽን፣ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ንምባሉ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ከርኢን ክምሕጸኑ’ዮም።

 

ክቡራት ተኸታተልትና፣ ጸብጻብ ናይዚ ኣብ ጄኔቭ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ጀሚሩ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዝቕችል ከነቕርቦ ኢና።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0