“ካብ ኮረና ቫይረስ ክንናገፍ፣ ኣምላኽ፣ ሃገራዊ ጸሎት ክእውጅ፣ ብሓደ ሰብ ጌሩ’ዩ ነጊሩኒ።” ፕረዚደንት ኡጋንዳ

Radio Erena: 31 August 2020

ከም ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ኣብ እትምክት ዘላ ኡጋንዳ፣ ዝሓለፈ ዓርቢ 29 ነሓሰ ሃገራዊ መዓልቲ ጸሎት ኣዊጃ ኔራ።

እቲ ናይ ጸሎት መዓልቲ ብመንገዲ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዩዌሩ ሙሴቬኒ’ዩ ብወግዒ ተኣዊጁ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ነቲ ሃገራዊ ጸሎት ዝኣወጀሉ ምኽንያት፣ ሓደ ሰብ ናብኡ መጺኡ፣ ‘ኣምላኽ፣ ካብ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ክትናገፉ፣ ሃገራዊ ጸሎት ኣዊጅ ኢልካ ንገሮ’ ስለዝበሎ ምዃኑ ብመንገዲ ፌይስቡክ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ጽሒፉ።

“ስለዚ ከም ፕረዚደንት ኡጋንዳ ብዘሎኒ ስልጣን፣ ዓርቢ 29 ነሓሰ፣ ሃገራዊ መዓልቲ ጸሎት ክትከውንን፣ ኩሉ ሰብ ድማ ካብ ንጥፈታቱ ኣዕሪፉ፣ ኣብ ገገዝኡ ጸሎት ከዕርግን ኣዚዘ” ክብል ገሊጹ።

ሓያሎ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ኣብ ኢንተበ ኣብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ምስቲ ፕረዚደንት በዓልቲ ቤቱን ሓደ ሓደ ሚኒስርራትን ሓቢሮም ኣብ ጸሎት ክውዕሉ’ውን ዓዲሙ’ዩ።

ኡጋንዳ፣ ካብ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ናይ ሓዋሩ ድኽነትን ድሕረትን ክትናገፍ፣ ናብ ኣምላኽ ንምጽላይ ንህዝቢ ኣዋጅ ምትሕልላፍ ጥራይ ዘይኮነ፣ ን34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ደሞክራስያዊን ውሕሱን ምስግጋር ስልጣን ከተግብር ዝኽእልን ትካላዊ መሓውር መንግስቲ ክምስርት’ውን ከምዝግብኦ ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ነቒፎሞ።

እቲ ወዲ 75 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ፕረዚደንት፣ ክሳብ 40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ኣብ ዘኽእሎ፣ ዝመጽእ ዓመት ክካየድ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ምርጫ ክሳተፍ ምዃኑ ቅድሚ’ዚ ናይ ጸሎት ኣዋጅ ኣፍሊጡ’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0