ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ሃገራዊ እጃሙ ከበርክት ዝጸንሐ ኤርትራዊ ወዲ ቫካሮ ዓሪፉ

ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ሃገራዊ እጃሙ ከበርክት ዝጸንሐ ኤርትራዊ ወዲ ቫካሮ ዓሪፉ

Radio Erena: 24 October, 2014

Wedi Vacaro

ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስን ድሕሪ ናጽነትን ሃገራዊ እጃም ኣብ ምብርካት ዓቢ ተራ ዝነበሮ ኤርትራዊ ተወልደ ተስፋማርያም ወዲ ቫካሮ፣ ብሕማም ምኽንያት ዓሪፉ።

ወዲ ቫካሮ፣ ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ፣ ኣብ ስደት ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብጾቱ ብምጥናፍ ብተወፋይነት ዝተቓለሰን ልዑል ፍቕሪ ሃገር ዝነበሮ ሃገራውን’ዩ።

ድሕሪ ናጽነትን’ውን ቁጠባ ኤርትራ ከበራብር ኣብ ዝኽእል ኣብ ሓይሎ ንግዳዊ ንጥፈታት ዝተንቐሳቐሰ ወዲ ቫካሮ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ፖሊሲ ከስርሖ ብይምኽእሉ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ንግዳዊ ንጥፈታት ራሕሪሑ እንደገና ናብ ስደተ ከምዘምርሐ’ዩ ዝንገረሉ።

ኣብዘን ዝሓለፈ ናይ መወዳእታ ሰለስተ ዓመታት ከኣ ኣቶ ተወልደ ተስፋማርያም ወዲ ቫካሮ፣ ምስ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብምጽንባር፣ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጽእ ንዝካየድ ዘሎ ምንቕስቓስ ናይ ሓድነት ዑደት ብምክያድ ተጸንቢርዎ።

 

ወዲ ቫካሮ፣ ብሰንኪ ጥዕናዊ ጸገም ኣብ ኢጣልያ ሕክምናዊ ክንክን ክካየደሉ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ኣብ መበል 65 ዓመት ዕድሚኡ ብሮቡዕ 22 ጥቕምቲ 2014 ዓሪፉ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0