ካብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ጅቡቲ ዝተዘርግሐ ናይ መጓዓዝያ ባቡር ኣገልግሎት ጀሚሩ

ካብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ጅቡቲ ዝተዘርግሐ ናይ መጓዓዝያ ባቡር ኣገልግሎት ጀሚሩ

Radio Erena: 03 January 2018

ethiopia railway

ካብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ጅቡቲ ዝተዘርግሐ ናይ መጓዓዝያ ባቡር ኣብ ሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት ከምዝጀመረ ሺንሁዋ ሓቢሩ።

እቲ 756 ኪሎሜተር ዝሽፍን ናይ መጓዓዝያ ባቡር ብክልተ ኩባንያታት ቻይና ዝተሃንጸ ኮይኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ድሕሪ ምዝዛሙ ፈተነ ክካየደሉ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ብወግዒ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክህብ ጀሚሩ ዘሎ።

እቲ መንገዲ ባቡር ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሱ ክሳብ ጅቡቲ ዝበጽሕ ንሓያሎ ከተማታት ብምትእስሳር፣ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ መጓዓዝያ እታ ሃገር ንዝነበረ ጸቕጢ ብዝተዓጻጸፈ ከፋኹስ ትጽቢት ይግበረሉ።

 

ኣቐዲሙ’ውን በዚ መንገዲ ባቡር እዚ ናይ ጽዕነት ወይ ናይ ካርጎ ኣገልግሎት ክካየድ ምጽንሑ ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0