ካብ ኢራን ናብ ዩክሬይን ትበርር ዝነበረ ነፋሪት ወዲቓ ብምሕምሻሻ 176 ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 08 January 2020

ካብ ኢራን፣ ከተማ ቴህራን ተበጊሳ ናብ ዩኬረን ከተም ኪየቭ ትበርር ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ ነፋርት ወዲቓ ብምሕምሻሻ፣ 176 ሰባት ሞይቶም።

እታ ዋንነት መንገዲ ኣየር ዩክሬን ዝኾነት፣ ቦይንግ 737 ዝዓይነታ ነፋሪት፣ ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኢማም ኻሜናኢ ተበጊሳ፣ ነዊሕ ከይተጓዓዘት ከምዝወደቐት ዘረጋገጸ መግለጺ መንግስቲ ኢራን፣ ሰራሕተኛታትን ወጻእተኛታት ዝርከብዎም ተጓዓዝትን ብሙሉኦም ከምዝሞቱ ኣረጋጊጹ።

ምውዳቕ እታ ነፋሪት፣ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ዝፋጠጣሉ ዘለዋ እዋን ዘጋጠመ ምስ ምዃኑ፣ ብሚሳይል ተሃሪማ ክትከውን ከምእትኽእል ግምታት ይወሃቦ ኣሎ።

እንተኾነ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩክሬይን ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እታ ነፋሪት ብሚሳይል ተሃሪማ ወዲቕ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ።

ኤምባሲ ዩክሬን ካብ ኢራን ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣኣብ ሓደ ሓደ ካብ ሞተራት ብዘጋጠሞ ምብልሻው እታ ነፋሪት ከምዝወደቐት ጠቒሱ ኔሩ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ግና ነቲ መግለጺ ብምስሓብ፣ ጠንቒ ምውዳእ ከምዘይተነጸረ ገሊጹ።

ኣብቲ ዞባ ከቢድ ናይ ኵናት ወጥሪ ሰፊኑ ብምህላዉ፣ ሓያሎ መንገዲ ኣየራት ናብ ኢራንን ዒራቕን ዝሰርዐኦ በረራታት ኣብ ምስራዝ ይርከባ።

ኣመሪካ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ንላዕለዋይ ኢራናዊ ጀነራል ድሕሪ ምቕታላ፣ ኢራን ከም ግብረ መልሲ፣ ኣብ ዒራቕ ንዝርከብ መዓስከር ኣመሪካ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ኣካይዳ ኣላ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0