ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ዘሎ ነዳዲ፣ ዕዳጋታት የረጋግእ

ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ዘሎ ነዳዲ፣ ዕዳጋታት የረጋግእ

Radio Erena: 19 December 2018

Tigrai fuel

ካብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ ዝጓረት ዘሎ ነዳዲ፣ ኣብ ኤርትራ ምርግጋእ ፈጢሩ ከምዘሎ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ካብ ዝርከብ መዐደሊ ነቑጣታት፣ ብጀሪካናት ተተጻዒኑ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ዘሎ ነዳዲ፣ ነቲ ንሓያሎ ዓመታት ዝጸንሐ ስእነት ፈዊሱ ከምዘሎ’ዮም እቶም ምንጭታት ዝጠቕሱ።

ብኣንጻሩ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ መሸጣን ምክፍፋልን ነዳዲ፣ ኣብታ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዋሕዲ ኣስዒቡ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ነጋዶ፣ ብብዝሒ ናብ ኤርትራ ዝጓርትዎ ካብ ዘለዉ ነገራት ሓደ ነዳዲ ምዃኑ ዝጠቕሱ እቶም ምንጭታት፣ እቲ መስርሕ መሸጣ ዘይሕጋዊን ኮንትሮባንዳን ክነሱ ብክልቲኡ ወገን ዝቖጻጸር ኣካል ከምዘየለ ኣመልኪቶም።

እዚ ብዶባት ዝካየድ ዘሎ ፍኑይ ንግዳዊ ልውውጥ፣ ኣብ ልዕሊ ባጤራታት ክልትኤን ሃገራት፣ ናይ ዕዳጋ ሚዛን ኑ ዘይሓለወ ጽልዋታት ይፈጥር ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምኽፋቱ፣ ኣብ ኤርትራ ዋጋታቱ ሰማይ ዓሪጉ ወይ ጠቕሊሉ ተሳኢኑ ዝነበረ ከም ባኒ፣ ኣእካል፣ በርበረ፣ ሰሜንቶ፣ ዚንጎን ካልእ ነገራትን ዋጋታቱ ተረጋጊኡ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብሳላ ምኽፋት ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተፈጥረ ምርግጋእ መሰረታውያን ሃለኽቲ ነገራት፣ ህዝቢ ነቲ ብብናይ ህግደፍ ዱኳናት ሕድሪ፣ ወርሓዊ ብኩፖን ዝረኽቦ ዝነበረ መቑነን ሸለል ክብሎ ጀሚሩ ከምዘሎን ንምርካቡ ዝካየድ ዝነበረ ሪጋ ኣብዚ እዋን’ዚ ከምዘየሎን እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣረዲኦም።

ንኣሳታት 20 ዓመታት ተዓጽዩ ዝጸንሐት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ መስመራት ሰንዓፈ- ዓዲግራትን ቡሬ ዓሰብን ክኽፈት እንከሎ፣ ዓዲ ዃላ-ራማን ኦሞሓጀር-ሑመራን ግና ሕጂ’ውን ዕጹው’ዩ ዘሎ።

ስእሊ፣- ካብ ፌይስቡክ

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0