ካብ ቀብሪ ናይቶም ኣብ በዓል ኢሬቻ ዝሞቱ ተወላዶ ኦሮሞ ዝምለስ ዝነበረ ህዝቢ፣ መርኣያ ተቓውሞኡ ሽዱሽተ ናይ ጽዕነት መካይን ኣቃጺሉ

Radio Erena: 06 October 2016

Tr bur

ኣብ ሃይማኖታዊ በዓል ህዝቢ ኦሮሞ- ኢሬቻ ኣብ ዝተላዕለ ናዕቢ ናይ ዝሞቱ ሰባት ስነ ስርዓት ቀብሪ፣ ብ4 ጥቅምቲ  ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ህዝቢ መርኣያ ተቓውምኡ ኣብ ጎደና ደው ኢለን ንዝነበራ ሽዱሽተ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ከምዘቃጸለ ተሓቢሩ።

እተን ‘በጣሕ’ ዝዓይነተን ናይ ጽዕነት መካይን፣ ብሓደ ናይ ቢራ ዘከፋፍል ትካል ዝውነና ኮይነን፣ ኣብቲ ናብ ኣዲስ ኣበባን ደበረዘይትን (ቢሾፍቱ) ዘራኽብ መንገዲ ደው ኢለን ከምዝነበራ’ዩ ተገሊጹ።

ህዝቢ ኦሮሞ፣ ድሕሪ’ቲ ህይወት ሓያሎ ሰባት ዘጥፈአ ኣብ ቢሾፍቱ ዘጋጠመ ናዕብን ዕግርግርን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን’ውን ተቓውሞ ከይውድብ ተሰጊኡ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብታ ሃገር ይሕብሩ።

ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣሻቓሊ ናይ ጸጥታ ኩነታት ከይክሰት ተሰጊእሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ናይ ጸጥታ ስግኣት ከምዘየለ ይሕብር ኣሎ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ 45 ኪሎሜተር ንደቡብ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ደብረዘይት (ቢሾፍቱ) ብ2 ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ በዓል ኢሬቻ ድሕሪ ዘጋጠመ ናዕብን ዕግርግርን፣ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሕን እቲ ኩነታት ብናጻ ኣካል ክጻረ’ውን ካብ ሓያሎ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማሰኛታት ይስማዕ ኣሎ።
==========================
 

COMMENTS

WORDPRESS: 0