ካብ ሱዳን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተበገሰት ነፋሪት፣  ኣብ ውሽጣ ባርዕ ኣጋጢሙ

ካብ ሱዳን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተበገሰት ነፋሪት፣ ኣብ ውሽጣ ባርዕ ኣጋጢሙ

Radio Erena: 11 Januray 2018

arabia airlineካብ ሱዳን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተበገሰት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ዓረብያ፣ ኣብ ውሽጣ ብዘጋጠመ ባርዕ ብሃንደበት ክትዓልብ ተገዲዳ።

እታ ነፋሪት፣ 103 ገያሾ ጽዒና ብ9 ጥሪ፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ካብ ካርቱም ድሕሪ ምብጋሳ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ’ዩ፣ ኣብ ውሽጣ ባርዕ ኣጋጢሙ።

ኣብራሪ እታ ነፋሪት ብዘመሓላለፍዎ ሓበሬታ፣ ብኣቭየሽን መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ተሓጊዞም ሃንደበታዊ ምዕላብ ከምዝገበሩ ዘረጋገጹ ኣካየድቲ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ገያሾ ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለ ኣፍሊጦም።

እቲ ባርዕ ከቢድ ጉድኣት ከየውረደ ብሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት ከምዝጠፍአ’ዩ ተገሊጹ።

ጠንቂ’ቲ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ዘጋጠመ ባርዕ ምጽራይ ይግበረሉ ኣሎ።

እታ ነፋሪት፣ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ፣ ንጽባሒቱ ሮቡዕ 10 ጥሪ፣ ናብ ሳርጃ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክትበርር ከምዝኸኣለት መንገዲ ኣየር ዓረብያ ገሊጹ።

ብትሑት ክፍሊት ካብን ናብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ዝህብ መንገዲ ኣየር ዓረብያ፣ ካብዚ ሓድሽ ዓመት ጀሚሩ ናብ ኤርትራ ሓድሽ በረራ ከምዝጀመረ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0