ካብ ሱዳን ብኮንትሮባንዳ ዝኣቱ ዘሎ፣ ጥዕንኡ ዘይተረጋገጸ ዕሹግ መግብታት ንከተማ ተሰነይን ከባቢኣን የጥለቕልቕ

ካብ ሱዳን ብኮንትሮባንዳ ዝኣቱ ዘሎ፣ ጥዕንኡ ዘይተረጋገጸ ዕሹግ መግብታት ንከተማ ተሰነይን ከባቢኣን የጥለቕልቕ

Radio Erena: 27 January 2016

Tes

ብመንገዲ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ዘሎ ዕለቱ ዝወደቐን ጥዕንኡ ዘይተረጋገጸ ዕሹግ መግብታትንሃለኽቲ ነገራትን ንተሰነይን ከባቢኡን ኣጥለቕሊቑ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዚ ተርእዮ’ዚ ካብ ነዊሕ እዋን ክሕበር ዝጸንሐ ኮይኑ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና እቲ ብዝሒ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ንሂሩ ምህላዉ’ቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታት ኤርትራውያን ኣብ ጎደናታት ይኹን ኣብያተ ሸቐጣት ከም ብሽኮቲ፣ ዘይቲ፣ ጸባን ጽሟቕን ዝኣመሰለ ጥዕንኡ ዘይተረጋገጸን ዕለቱ ዝወደቐ መግብታት ብብዝሒ’ዩ ዝርአ ዘሎ።

 

ምምሕዳር ከተማታት ነዚ ንምቁጽጻር ዘዋፈሮም ኣባላት፣ ሓያሎ ካብቲ ዕሹግ መግብታት ክሕዙን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከኣ ከንድድዎን እኳ እንተኸኣሎ፣ እቲ ዝበዝሕ ዕዳጋ ብውሽጢ ውሽጢ ብምዃኑ፣ እቲ ብመንገዲ ሱዳን ዝኣቱ ዘሎ ትዕንኡ ዘይተረጋገጸ መግብታት ብወግዒ ኣብ ዘይተመዝገበ መኻዚኖታት ተኸዚኑ ምህላዉ’ውን እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

ኣብ ኤርትራ እኹል መሰረታዊ መግብታት ክህሉ ብዘይምኽኣሉ፣ ነጋዶ ብመንገዲ ሱዳን- ተሰናይ ጥዕንኡ ዘይተረጋገጸንን ዕለቱ ዝወደቐን መግብታት ብኮንትሮባንዳ ከእትዉ ካብ ዝጅምር ዓመታት ኣቑጺሩሎ።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0