ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ መንግስቲ የመን ዝተላእከ ሓገዝ ዝጸዓነት መርከብ ጥሒላ

Radio Erena: 12 September 2016

Cargo

ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ መንግስቲ የመን ዝተላእከ ዝተፈላለየ ሓገዝ ዝጸዓነት መርከብ ጥሒላ።

እታ ናይ ህንዲ ምዃና ዝተሓበረ ናይ ጽዕነት መርከብ፣ 69 መካይን፣ መቀያየሪ ጎማታትን ዘይቲ መኪናን ከምኡ’ውን ናይ መግቢ ረዲኤት ዝጸዓነት ምንባራ ጋዜጣ ዘ ታይምስ ኦፍ ዖማን ሓቢራ።

እታ 11 ሰራሕተኛታት ዝነበሩዋ መርከብ፣ ካብ ወደብ ሳርጃ ናይ ሕቡራት ኢማርት ዓረብ ጽዒና ድሕሪ ምብጋሳ’ያ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ኣብ ከባቢ ባሕሪ ፋርስ ወይ ባሕሪ ዓረብ ጥሒላ።

ብምሉኦም ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ብሓገዝ ዖማናውያን ገፈፍቲ ዓሳን ፖሊስን ከምዝደሓኒ’ውን ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ገሊጹ።

እታ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ የመንግስቲ የመን ዝተላእከ ዝተፈላለየ ሓገዝ ዝጸዓነት መርከብ፣ ናብታ ካብ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ ካብ ዕጡቓት ሑቲ ዝመንዝዓ፣ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ የመን እትርከብ ወደብ ሙካላ’ያ ንምርጋፉ’ያ ተምርሕ ኔራ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ናብ የመን ዝቐንዐ ውደራውያን ሲቪላውን ሓገዝ ንምብጽጻሕ ወደብ ዓሰብ ንሎጂስቲካዊ መሳለጥያታት ትጥቐመሉ ምህላዋ መንግስቲ ኤርትራ ምርግጋጹ ይዝከር።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0