ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣስታት 200 ስደተኛታት ጥሒሎም

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣስታት 200 ስደተኛታት ጥሒሎም

Radio Erena : 11 February 2015

29died

ልዕሊ 200 ስደተኛታት ጽዒነን ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከምዝተበገሳ ዝተገልጻ ክልተ ጃላቡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ምጥሓለን፣ ሃለዋት እቶም ስደተኛታት ዛጊት ክፍለጥ ከምዘይክኣለ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኣብተን ብቀዳም ከምዝተሓላ ዝግለጻ ዘለዋ ጀላቡ ንዝነበሩ ስደተኛታት ሃለዋቶም ንምፍላጥ ዝተኻየደ ጻዕሪ ዛጊት ከምዘይተዓወተ ዝሓበረ እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ጻዕሪ ንትሽዓተ ካብኣቶም ብህወይት ክድሕኑ ምኽኣሎም ገሊጹ።

 

ኣብ ኢጣልያ እትርከብ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካርሎታ ሳሚ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ፣ እቲ ሓደጋ ዘሰንበድ’ዩ ክትብል ገሊጻቶ ኣላ።

ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት፣ ብቀዳም ኣብ ክልተ ጀላቡ ዝተጻዕኑ ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከምዝተበገሱ እኳ እንተረጋገጸ ተወሳኺ ሓበሬታ ግና ኣይሃበን።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ካብ ዝሰግሩ ዝነበሩ 105 ስደተኛታት እቶም 29 ብሰንኪ ቀዝሒ ከምዝሞቱ ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ገሊጾም።

ነቶም ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣብ ዘንጸላለወላ እዋን፣ ክልተ ጀላቡ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ከድሕንኣ እኳ እንተኸኣላ፣ እቶም 29 ናብ ውሕስቲ ጃልባ ድሕሪ ምስጋሮም ኣካላቶም ካብ ንቡር ንታሕቲ ብምዝሓሉ ብሰንኪ hypothermia ከምዝሞቱ ክኢላታት ጥዕና ኢጣልያ የረድኡ።

እቶም ስደተኛታት ናብ ሰኑይ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣብ ዝተበገስሉ፣ ኣብ ዜሮ ዲግሪ ዝጸጋጋዕ ዛሕሊ ብንፋስን ማዕበልን ባሕሪ እናተጽፍዑ ስለዝመጹ’ዮም ግዳያቲ ናይቲ ቀዝሒ ኮይኖም።

እተን ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ዘድሓንኦም ክልተ ጀላቡ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ናብ ላምፔዱሳ ክሳብ ዝበጽሓ 18 ሰዓታት ከምዝወሰዳ ዝሓበረ ከንቲ ከተማ’ታ ከተማ ድማ፣ እቶም ብቀዝሒ ተጠቒዖም ዝጸንሑ 29 ስደተኛታት ኣብ መንገዲ ከምዝሞቱ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኢጣልያ፣ ዜግነት ናይቶም ግዳያት እዚ ሓደጋ ባሕሪ ኮይኖም ዘለዉ ስደተኛታት ካብ ምሕባር ተቖጢቡ ኣሎ።

ኢጣልያ ነቲ ‘ማረ ኖስትሮም’ ዝሰመየቶ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ናይ ምድሓን ስርሒት ብወግዒ ደው እኳ እንተበለቶ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ግና ብንኣሽቱ ጀላቡን ሄሊኮፕተራትን ስደተኛታት ናይ ምድሓን መስርሕ ይቕጽሎ ምህላዉ ይግለጽ።

እንተኾነ፣ እዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ዘካይዶ ዘሎ ህይወት ናይ ምድሓን ስርሒት፣ ከቢድ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ ምሉእ ብምሉእ ውሕስነት ክህብ ከምዘይክእል እዚ ሞት ናይ 29 ስደተኛታት ከም ኣብነት እናጠቐሱ ሓያሎ ወገናት ይነቕፉ።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0