ካብ ሃገራት ስካንዲኒቭያ ናብ ኤርትራ ዝስጎጉ ሓተቲ ዑቕባ መቕጻዕቲ ኣይተርፎምን’ዩ ክብል ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣረጋጊጹ

ካብ ሃገራት ስካንዲኒቭያ ናብ ኤርትራ ዝስጎጉ ሓተቲ ዑቕባ መቕጻዕቲ ኣይተርፎምን’ዩ ክብል ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣረጋጊጹ

Radio Erena: 04 December 2014

Yonas Mana

ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያን ዑቕባ ሓቲቶም ዝርከቡ ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ እንተተጠሪዞም፣ ኣብ ሲቪላዊ ወይ ከኣ ወትሃደራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ’ዮም ክብል ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደንን ሃገራት ስካንዲናቭያን ኣቶ ዮናስ ማና ባይሩ ምርግጋጹ ኣብ ዴንማርክ እትሕተም ጋዜጣ ፖለቲከን ሓቢራ።

ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያ ኣቶ ዮናስ ማና ነታ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ካብ ሰራዊት መንግስቲ ሃዲሞም ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ እንተተሰጉጎም መቕጻዕቲ ከምዝጽበዮም ኣይሓብአን።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ እቶም ዝስጎጉ ኤርትራውያን ኣብ ተሃድሶን ኣገልግሎትን ክዋፈሩ ወይ ከኣ ብገንዘብ ክቕጽዑ ምዃኖም ብምምልካት ካብ ምእሳሮም ዝርከብ ረብሓ ግን ከምዘየለ ኣረዲኡ።

 

መንግስቲ ደንማርክ፣ ንኤርትራውያን ክትህቦ ዝጸንሐት ፖለቲካዊ ዑቕባ ጽኑዕ ገደብ ክትገብረሉ ምዃና ድሕሪ ምፍላጣ’ዩ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስካንዲናቭያ ነዚ መግለጺ ዝህብ ዘሎ።

እንተኾነ እቲ በታ ጋዜጣ ዝቐረበ መግለጺ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ዘጋጊ’ዩ ክብል ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስካንዳናቭያ ነጺግዎ ኣሎ።

ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣቶ ተኸስተ ተስፋማርያም’ውን መንግስቲ ኤርትራ ብድሌቶም ናብ ዓዶም ዝምለሱ እንተዘይኮኖም ተሰጉጎም ንዝመጹ ከምዘይቕበል ደጋጊሙ ከምዝሓበረ ኣይርሳዕን።

ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ ሓደ ካብ ዓበይቲ መዘራረቢ ዛዕባታት ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሚኒስተራት ጉዳያወት ወጻኢ ሃገራት ኤውሮጳን ኤርትራ ናይ እትርከበን ብስደት ዝልለያ ሃገራትን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢጣልያ ከተማ ሮማ’ውን ተኻይዱ’ዩ።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽበ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ኤርትራ ንመንእሰያታ ዘድሊ ዕድላት ትምህርትን ስራሕን ንምፍጣርን መሰረታዊ ቊጠባዊ ለውጢ ንምምጻእን ትሰርሕ ምህላዋ እኳ እንተሓበረ፣ እዚ በቲ ሚኒስተር ዝቐረበ ሓበሬታ ብሓያሎ ኤርትራውያን እምነት ኣይረኸበን።

ን23 ዓመታት ንዜጋታቱ ባይታ ከጣጥሕ ዘይክኣለ መንግስቲ ኤርትራ፣ እብዚ ዝቕጽል ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመታት ሰፊሕ ዕድላት ክንፈጥረሎም ኢና ምባሉ፣ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ምድንጋጽን አገፍን ንምርካብ እንተዘይኮይኑ ብግብሪ ዝስራሕ ይኹን ዝዳሎ ነገር ዘይምህላዉ’ውን ይጠቕሱ።

====================================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0