ካርቱም፣ ወትሃደራዊ ዕልዋ ክካየድ ዝድግፉ ኣሽሓት ሱዳናውያን ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 18 October 2021

ርእሰ ከተማ ሱዳን ኣብ ዝኾነት ካርቱም፣ ንመስርሕ ምስግጋር ናብ ደሞክራሲ ንምቅዋምን፣ ወትሃደራዊ ዕልዋ ክካየድ ንምድጋፍን፣ ኣሽሓት ሰባት ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ብቀዳም 16 ጥቅምቲ ኣብ ቀጽሪ ቤተ መንግስቲ ዝተኣኻኸቡ ሰልፈኛታት፣ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ወትሃደራዊ ጉጅለ ናይቲ ብሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዝፍለጥ ኣካል መንግስቲ፣ ዕልዋ ብምክያድ ስልጣን ምሉእ ብምሉኡ ክቆጻጸሩ ዝጽውዕ’ዩ።

መሰጋገሪ መንግስቲ ዝኣተዎ መብጽዓታት ኣየተግበረን ዝብል ስምዒታት ከምዘለዎም ዝጨርሑ እቶም ሱዳናውያን፣ ወትሃደራዊ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ክመጽእ ከምዝደልዩ ምስ ዝተፈላለያ ሜድያታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቓት ኣነጺሮም።

ወትሃደራዊ ዕልዋ ክካየድን ወትሃደራዊ መንግስቲ ክህሉን ዝጠልቡ ሱዳናውያን ሰልፊ ዘካየዱ፣ ንኣስታት 18 ኣዋርሕ ብወትሃደራዊ ጉጅለ ክምራሕ ዝጸንሐ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ስልጣኑ ናብቲ ሲቪላዊ ወገን ከረክብ ኣስታት ሰለስተ ቅነ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ ግዜ’ዩ።

እቲ ሲቪላዊ ወገን፣ ስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲ ምስ ተረከበ፣ ክሳብ ኣብ 2024 ዲሞክራስያዊ ምርጫ እታ ሃገር፣ ንሱዳን ክመርሕ’ዩ።

ይኹን’ምበር ስልጣን ክብሕት ዝደሊ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ነዚ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ምስግጋር መስርሕ ንምትዕንቓፉ ይሰርሕ ከምዘሎ ብሓያሎ ወገናት ይንቀፍ’ዩ።

መስርሕ ምስግጋር ሱዳን ናብ ደሞክራስያዊ ሲቪላዊ ስርዓት ብወትሃደራዊ ጉጅለ እንተተዓናቒፉ፣ እታ ሃገር ናብቲ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዝነበረቶ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማስያዊን ቁጠባውን ተነጽሎ ክትወድቕ ከምእትኽል ይትንተን።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0