ካሌ፣ ስደተኛታት ብዘካየድዎ ሓድሕዳዊ ባእሲ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ብጽኑዕ ቆሲሎም

ካሌ፣ ስደተኛታት ብዘካየድዎ ሓድሕዳዊ ባእሲ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ብጽኑዕ ቆሲሎም

Radio Erena: 02 February 2018

Calais fighting

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ ናይ ፈረንሳ ዝተኣኻኸቡ ስደተኛታት ኤርትራን ኣፍጋኒስታንን፣ ትማሊ 1 ለካቲት፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት፣ ንሓድሕዶም ብዘጎሃሃርዎ ባእሲ ብውሕዱ 16 ሰባት ቆሲሎም።

ኣርባዕተ ኤርትራውያን ካብ ሓደ ኣፍጋኒስታናዊ ብዝተተኮሰሎም ጠያይቲ ብኸቢድ ቆሲሎም ኣብ ሕክምና ተዓቝቦም ኣለዉ።

እቲ ባእሲ ብኣባትርን፣ ጠራሙዝን ኣብ ዝዝዝዝካየደሉ ዝነበረ እዋን’ዩ ሓደ ኣፍጋኒስታናዊ ሃንደበት ቶኽሲ ብምኽፋት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ከቢድ ጉድኣት ኣብጺሑ ዘሎ።

እቲ ኣፍጋኒስታናዊ ስደተኛ ነቲ ብረት ካበይ ከምዘምጽኦ እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ሓደ ካብቶም ኣሰጋገርቲ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ።

ፖሊስ እታ ከተማ ንጠንቒ’ቲ ግጭት የጻርዮ እኳ እንተሎ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዝፍጽሙ ሰባት ዘጎሃሃርዎ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ዠራርድ ኮሎምብ ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ ናብ ቦታ ብምጻሕ፣ ኣብቲ 600 ስደተኛታት ተኣኻኺበሙሉ ዘለዉ ከባቢ ካሌ ዘሎ ኩነታት ክሳብ ዝሃድእ ጽኑዕ ሓለዋ ክቕጽል ኣዚዙ።

መንግስቲ ፈረንሳ ንካሌ ናይ ምዕናው ስጉምቲ ድሕሪ ምውሳዱ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ልዕሊ 6 ሽሕ ስደተኛታት ፈቀድኡ ከምዝተበታተኑ ይዝከር።

ኣብዚ እዋን ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ሶርያን ኣፍጋኒስታንን ዝርከብዎም ኣስታት 600 ስደተኛታት ኣብ ክሌ እንደገና ብምትእኽኻብ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ይሕልኑ።

ኣብ ካሌ ዝተኣኻኻአቡ ስደተኛታት ንሃድሕዶም ብኻራሩን ጠራሙዝን ክበኣሱ እዚ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0