ኩባንያ ዳናካሊ፣ ኣብ ኤርትራ፣ 1.3 ቢልዮን ቶን ዝግመት ፓታሽ ክዕድን ትጽቢት ይገብር

Radio Erena: 02 February 2017

Colluli

ኣብ ኣውስትራልያ ዝመደብሩ ኩባንያ ዕደና ዳናካሊ፣ ኣብ ኤርትራ ዞባ ድንካልያ፣ ከባቢ ኮሉሊ ናይ ፖታሽ ዝተባህለ ማዕድን ንምውጻእ ምሉእ ስምምዕ ከምዝኸተመ ኣፍሊጡ።

እቲ ኩባንያ ብ1 ለካቲት ኣብ ዝዘርግሖ ወግዓዊ መግለጺ፣ እቲ ስምምዕ ን1.3 ቢልዮን ቶን ዝግመት ፓታሽ ናይ ምዕዳን ተኽእሎ ከምዝፈጠረሉ ጠቒሱ።

እቲ ኣብ ከተማ ፐርስ ( Perth) ዝመደበሩን ብዕደና ፖታሽ ብደረጃ ዓለም ካብ ዝተፈልጡን ዝኾነ ኩባንያ፣ ሸውዓተ ናይ ዕደና ፍቓዳት ከምዝተዋህቦ ሓቢሩ።

ዋና ዳይረክተር እቲ ኩባንያ ፖል ዶናልድሰን፣ እዚ ምስ ኤርትራ ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ኣዝዩ ኣገዳስን ነቲ ኩባንያ ተወሳኺ እምነ ኩርንዓን ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ንምክያድ ዝክአል ምዃኑ ዘግሃደ ፍጻሜ’ዩ ክብል ገሊጹ።

50 ሚእታዊት ናይቲ ዕደና፣ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝውንኖ’ውን ኣረጋጊጹ።

ኣብ ኤርትራ፣ ካብ ካናዳ፣ ኣውስትራልያ፣ ቻይና፣ ሊብያ፣ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን ዝመጻ 16 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት፣ ኣብ ዳህሳስን ኹዕታን ዝተፈላለየ ማዕድናት ተዋፊረን ይርከባ።

ዛጊት ፍርያቱ ንዕዳጋ ከቅርብ ዝበቕዐ ዕደናታት ቢሻን ዛራን ክኸውን እንከሎ፣ ካልኦት’ውን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ከም ወርቂ፣ ነሓስ፣ ዚንጎን ፖታሽን ዝኣመሰለ ማዕድናት ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ምድላዋት ይካየድ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንኣሰራርሓ ይኹን ኣታዊታት እቲ ዕድና ብምስጢርን ብዘይንጹርን ኣገባብ ሒዝዎ ስለዝርከብ፣ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣታዊታት እዚ ዕደና ክረብሕ ከምዘይክእል ሓያሎ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ።

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ኣብ ቢሻ ካብ ዘፍረዮ ወርቒ፣ ነቲ 40 ሚእታዊት ናይቲ ፕሮጀክት ዝወነነ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት 700 ሚልዮን ዶላር ከምዘረከቦ ብሰነዳት የረጋግጽ።

እቲ ናይ ካናዳ ትካል፣ ኣብ ኤርትራ ናይ 1.2 ቢልዮን ዶላር ምንቕስቓስ ከምዝፈጠረን ንመንግስቲ ኤርትራ ድማ ጽሩይ መኽሰብ 700 ሚልዮን ዶላር ከምዘረከቦን ብሰነዳት ከረጋግጽ ዝተገደደሉ ምኽንያት፣ ብግዱድ ሃገራዊ ኣገልግልት ተመዲቦም ንዝመጽዎ ኤርትራውያን ኣብ ስራሕ ብምውፋሩ፣ ብናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ተኸሲሱ፣ ጉዳዩ ኣብ ምጽራይ ኣብ ዝርከበሉ እዋን’ዩ።

===========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0