” ኩሎም ሓሙሽተ ጳጳሳት ሕጹያት ኮይኖም ክቐርቡ ኮነ ክምረጹ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን።” መግለጺ ሲኖዶስ ኤርትራ

Radio Erena: 14 May 2021

ብህግደፍ ዝመሓደር ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፣ ሓምሻይ ፓትርያርክ መሪጹ።

እቲ መሳርሒ ፖለቲካ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ምዃኑ ዝንገረሉ ሲነዶስ፣ ብ13 ግንቦት፣ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ልሳን ተዋህዶ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኩሎም ሓሙሽተ ጳጳሳት ሕጹያት ኮይኖም ክቐርቡ ኮነ ክምረጹ ፍቓደኛ እኳ እንተዘይነበሩ፡ ስለ ቤተ ክርስቲያን ክብሉ ሕጹያት ኮይኖም ከምዝቐረቡ’ዩ ጠቒሱ።

ካብቶም ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝተዋህቡ 81 መረጽቲ፡ እቶም 73 ህላዌኦም ተረጋጊጹ ኣብቲ ምርጫ ከምዝተሳተፉ ዘመልከተ እቲ መግለጺ፣ እቶም ዝተረፉ 8 ግና፣ ስለምንታይ ኣብቲ ምርጫ ከምዘይተሳተፉ ኣይሓበረን።

እቲ ሲነዶስ፣ ካብቶም ብዘይፍቓዶም ንምርጫ ቀሪቦም ዝበሎም ጳጳሳት ድማ፣ ንኣቡነ ቄርሎስ ሓምሻይ ፓትርያርክ ክኾኑ ብምምራጽ፣ ን13 ሰነ 2021 ብወግዒ ስልጣን ከረክቦ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሕጋዊ ፓትርያርክ ናይታ ቤተ ክርስትያን ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ንኣስታት 16 ዓመታት ኣብ ማሕዩር እንሃለዉ፣ ምስ ህግደፍ ዝወገነ ሲኖዶስ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝመረጾም ራብዓይ ፓትርያርክ፣ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ካብ ዝሞቱ’ውን ሻብዓይ ዓመቱ ሓሊፉ ክነሱ፣ ብዘይፓትርያርክ’ዩ ጸኒሑ።

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ “ብዘይ ቀኖናዊ ኣቦ ን16 ዓመታት ዘኽቲሞም፥ ንሕዝብን ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶን ኣብ ምብትታን ኣብጺሖማ ዘለዉ ጳጳሳት፡ ንኹሉ ሰናይ ምኽርን መንፈሳዊ ጻውዒትን ሸለል ብምባል፡ ዘይሕጋዊ ሓምሻይ ፓትርያርክ ንምሻም” ክገብሮ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ኮኒንዎ’ዩ።

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ብዘይካ’ዚ፣ “እዞም ንርእሶም ብዘይ-ሕጊ ‘‘ቅዱስ ሲኖዶስ’’ ኢሎም ዝሰምዩ፡ ብጽእናኦም፡ ብስልጣን ቅድስት ስላሴ፡ ብኣፍ ቅዱስ እንጦንዮስ ዝተወገዙ ኣቦታት፡ እቲ ሒዘምዎ ዘለዉ መደብ፡ ሕጂውን እንተዀነ፡ ከምቲ ኣብ ዓመተ 2007 ዓ.ም. ፈ፡ ኣብ ሽመት ዘይሕጋዊ ራብዓይ ፓትርያርክ ዘጋጠመ፡ ንሉዓላዊነት ቤተክርስቲያን ዘፍርስ፡ ንሓዋርያዊ ሰንሰለት ዝበትኽ፡ ሕጊ ቤተክርስቲያን ዝግህስ፡ ከቢድ ዕንወትን ምብትታንን ድማ ዘስዕብን፡ ሓደገኛ ብምዃኑ” ብትሪ ከምዝቓወሞ ኣፍሊጡ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0