ከሰላ፣ ኣብ ዝተጎሃሃረ ሓድሽ ግጭት ብውሕዱ ሓደ ሰብ ተቀቲሉ ኣስታት 20 ድማ ቆሲሎም

Radio Erena: 27 August 2020

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ከተማ ከሰላ፣ ብ25 ነሓሰ ኣብ ዝተጎሃሃረ ሓድሽ ግጭት ብውሕዱ ሓደ ሰብ ክቕተል እንከሎ ኣስታት 20 ድማ ከምዝቖሰሉ ተሓቢሩ።

እቲ ግጭት፣ ደገፍቲ ናይቲ ካብ ቀቢላ ቢን ዓምር፣ ኣማሓዳሪ ከተማ ከሰላ ኮይኑ ዝተመዘዘ ሳልሕ ዓማርን ተቓወምቱ ሃደንደዋን’ዩ ተጎሃሂሩ።

ኮሚተ ጸጥታ ዞባ ከሰላ ምስ ኣካላት መንግስቲ ብምርድዳእ፣ እቲ ተጎሃሂሩ ዘሎ ግጭትን ምትፍናንን ክሳብ ዝሃድእ፣ ኣብታ ከተማ ንሳልስቲ፣ ሰዓታት እቶ እቶ ክጸንዕ ኣዊጃ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ኣብ ከሰላ ስርዓትን ሕጊ ሃገርን ክኽበር ተማሕጺኑ።

ቀቢላታት ቤን ዓሚርን ሃደንደዋን፣ ኣብ ትሕቲ ብሄረ ቤጃ’የን ዝሕቆፋ።

ድሕሪ ነዊሕ ክትዕ፣ ከተማ ከሰላ ካብ ወትሃደራዊ ወጻኢ ሲቪላዊ ኣምሓዳሪ ክሽየመላ እኳ እንተኸኣለ፣ ካብ ቀቢላ ሃደንደዋ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

እቲ ካብ ቀቢላ ቢን ዓምር ዝተመዘዘ ሓድሽ ኣማሓዳሪ፣ ደገፍ ወትሃደራዊ ጉጅለ መንግስቲ ሱዳን ረኺቡ እኳ እንተሎ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ህዝቢ ዝካየድ ዘሎ ናዕብን ግጭታትን ግና ዛጊት ካብ ካርቱም ናብ ከሰላ ክግዕዝ ኣይከኣለን።

ቀቢላ ሃደንደዋ፣ እቲ ካብ ቤን ዓሚር ዝኾነ ኣማሓዳሪ ብኻልእ ክትካእ ዝጠልብሉ ዘለዉ ምኽንያት ኣይተነጸረን።

እንተኾነ፣ ዓበይቲ ዓዲ ናይቲ ቀቢላ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ከሰላ ተጎሃሂሩ ዘሎ ግጭት ቀቢላዊ ዘይኮነ ፖለቲካዊ ምዃኑ’ዮም ገሊጾም።

ኣስታት 2 ሚልዮን ብዝሒ ከምዘለዎም ዝግመቱ ብሄረ ቤጃ፣ ኣብ ሱዳን ኤርትራን ግብጽን ዝነብሩ ኮይኖም፣ ቋንቋታት ትግረን ዓረብን ዝዛረቡ ቤን ዓሚር እቶም ዝያዳ ብዝሒ ዘለዎም ዓብለልቲ ቀቢላ’ዮም።

ኣብ ኤርትራ፣ ቢን ዓምር፣ ትግረ ክበሃሉ እንከለዉ፣ ቀቢላ ሃደንደዋ ድማ ብሕዳርብ ወይ ከኣ በቲ ዝዛረብዎ ቋንቋ ብዳዌት’ዮም ዝፍለጡ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0