ከሰላ፣ ናይ ሳልስቲ ሰዓታ እቶ እቶ ድሕሪ ምልዓሉ፣ ምትእኽኻብ ዝኽልክል ሓድሽ ኣዋጅ ኣብ ግብሪ ውዒሉ

Radio Erena: 22 October 2020

ኣብ ከሰላ ንሳልስቲ ዝጸንሐ ሰዓታት እቶ እቶ ድሕሪ ምልዓሉ፣ ምትእኽኻብ ይኹን ፖስተራትን ኣሳእልን ምዝርጋሕ ከምኡ ድማ ምንፋስ ወረ ዝኽልክል ሓደሽ ኣዋጅ ወጺኡ።

እቲ ምትእኽኻብ፣ ብዝሒ ሰባት እኳ እንተዘየነጸረ፣ ንሰለማዊ ሰልፊ ይኹን ካልእ ጉዳያት ምዃኑ ግና ኣነጺሩ ኣሎ።

እቲ ኣዋጅ ካብ 20 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ግብራዊ ከምዝኾነ ዝሓበረ ምምሕዳር መንግስቲ እቲ ዞባ፣ ዝጠሓሶ ክሳብ 5 ዓመታት ማእሰርቲን ኣስታት 50 ሽሕ ፓውንድ ሱዳን ወይ ድማ ኣስታት 1 ሽሕ ዶላር መቕጻዕቲን ክብየነሉ ከምዝኽእል ኣጠንቒቑ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ እታ ሃገር፣ ንፖርት ሱዳን ኣብ ዘጠቓለለ ከባቢታት፣ ተመሳሳሊ ኣዋጅ ካብ ሰንበት 18 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ውዒሉ’ዩ።

ምስ ምሻምን ምውራድን ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ ተተሓሒዙ፣ ኣብ መንጎ ብሄረ ቤጃን ቀቢላታት ሃደንደዋን ቤን ዓሚርን ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ብውሕዱ 10 ሰባት ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 50 ድማ ከምዝቖሰሉን ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንዘሎ ጸጥታዊ ሃጓፍ ተጠቒሙ፣ ኣብ ዞባ ከሰላ ኢዱ የተኣታቱ ከምዘሎ ሓያሎ ተወላዶ እቲ ዞባ ይወቕሱ’ዮም።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝተኻየደ ዑደት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን’ውን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብዝምልከት መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንምብጻሕ ዝዓለመ ምዃኑ ሓደ ሓደ ወገናት ይእንፍቱ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0