ከም ጓሉ ንዘዕብያ ዘመዱ ብቁልፊ ሓሚጡ ዝቐጽዐ ኤርትራዊ ኣቦ ኣብ ሉክሰምቡርግ፣ ናይ ዑቕባ መሰሉ ክሕደግ ከምዝኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 16 March 2022

ከም ጓሉ ንዘዕብያ፣ ትሕቲ ዕድመ ንዝኾነት ጓል ሓው ኣቡኡ፣ ተደጋጋሚ እዋን ብቁልፊ እናሓመጠ ዝቐጽዐ ኤርትራዊ ኣቦ ኣብ ሉክሰምበርግ፣ ናይ ዑቕባ መሰሉ ክሕደግ ከምዝኽእል ተገሊጹ።

መርበብ ሓበሬታ ለ ኳቲድያ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ እቲ ብሊብያን ማእከላይ ባሕሪን ሰጊሩ ኣብ 2015ናብ ሉክሰምበርግ ዝኣተወ፣ ተኽለሃይማኖት ዝተባህለ ኤርትራዊ፣ ዑቕባ ምስ ረኸበ፣ ብመስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤታት፣ ኣብ 2019 ሰበይቱ ምስ ደቁን ከም ጓሉ ንዘዕብያ ጓል ሓዉ ኣቡኡ ሒዛ ተጸንቢራቶ።

እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ፣ ኣብ ክሊ ዕድመ 40ታት ዝርከብ ተኽለሃይማኖት፣ ነታ ዊንታ ዝተባህለት ጓል 12 ዓመት ዝነበረት ጓል ሓው ኣቦኡ፣ ዘይእሩም ጠባያት ኣርእያ ብምባል፣ ጎነጽ ብዝተሓወሶ ክቐጽዓ ጀሚሩ።

ንሱ፣ ብጎነጽ ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ተኸሲሱ ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ዊንታ ባህርያታ ቀይራ ሰሚራ ምስ ዝተባህለት መሓዝኣ ምውዓል ከምእተዘውትርን፣ ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን ድማ ብቐጻሊ ክትዳፈሮም ምጅማራን’ዩ ዝገልጽ።

ሰሚራ፣ ደገ ደገ’ያ ተምሲ፣ ክትከዶም ናብ ዘይግባእ ቦታታት ድማ ተዘውትር ክብል’ውን ንመሓዛ ነታ ከም ጓሉ ዘዕብያ ዊንታ ወቒሱ።

ተኽለሃይማኖት ብተወሳኺ፣ ‘ዘቐመጥናዮም ሕግታት ገዛ ኣይተኽብርንያ’ ንዝበላ ዊንታ ብቁልፊ ዝሓመጠሉ እዋናት ምንባሩ ጸብጻብ ለ ኳቲድያ የመልክት።

ነቲ ጉዳይ ዝተኸታተለ ዳኛ፣ ‘ኣብ ኤርትራ ቆልዑ ከመይ ዲኹም ትቐጽዑ?’ ክብል ድሕሪ ምሕታቱ፣ ተኽለሃማኖት ድማ ዊንታ ብዝፈጸመቶ ጌጋታት ነዲሩ፣ ብጎነጽ ከምዝጎተታን ከምዝቐንጠዋን ብምእማን ዝወሰዶ ስጉምቲ ጌጋ ምዃኑ ተኣሚኑ።

ዊንታ ኣብ 2009 ኣዴኣ ምስ ሞተት፣ ኣቦኣ ሓላፍነት ናይ ጓሉ ክስከም ብዘይምኽኣሉ፣ ጓል 2 ዓመት እንከላ ምስ በዓልቲ ቤቱ ብምዃን ከም ጓሎም ንኸዕብዩዋ ከምዝተረከቡዋ ተኽለሃይማኖት ይሕብር።

ዊንታ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብናይ ስነ ኣእምሮ ክኢላታት ምክትታል ይግበረላ ከምዘሎ ዝሓበረት ጠበቓኣ፣ ኣብ ልዕሊኣ ኣካላውን ስነ ኣምእሮኣውን ጉድኣት ዘብጽሐ ተኽለሃይማኖት ብውሕዱ ሓደ ዓመት ክእሰርን ተወሳኺ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ክብየነሉን ጠሊባ።

ጠበቓ ተኽለሃይማኖት ብወገኑ፣ ዊንታ ግዳይ ናይ መንነት ቅልውላውን ባህላዊ ምምዝባልን’ያ ኮይና ብምባል፣ ተኽለሃይማኖት ዝወሰዶ ስጉምታት፣ ነታ ካብ ደቁ ፈልዩ ዘይርእያ ጓል ሓወ ኣቦኡ፣ ትምህርታ ክትከታተልን ዕውትቲ ሰብ ክትከውንን ካብ ዝነበሮ ድሌት’ዩ ክብል ኣረዲኡ።

ኣብ ርእሲኡ ኣብቲ ክሲ ቀሪቦም ዘለዉ ገበናት፣ ተኽለሃይማኖት ኣብ እዋን መርመራ፣ ሰኣን ቋንቋ፣ ብጌጋ ዝተተርጎሙ ሓረጋት’ዮም ክብል’ውን እቲ ጠበቓ ሞጕቱ ኣሎ።

ቤት ፍርዲ ኣብ 5 ግንቦት ውሳኔ ክህብ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዘዕበዩዋ ስድራ ተፈልያ፣ እትነብር ዘላ ጓል 14 ዓመት ዊንታ፣ ኣብ ልዕሊኦም መስሪታቶ ዘላ ክሲ፣ ኣብ ሉክሰምበርግ ምስ ከቢድ ገበን ዘጸብጽብ ስለዝኾነ፣ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፣ ተኽለሃይማኖት ገበነኛ ምዃኑ እንተወሲኑ፣ ኣብ ርእሲ ማእሰርቲ፣ ናይ ዑቕባ መሰል ናይታ ስድራ’ውን ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ተኽእሎ ኣሎ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    shbkrtm 2 years ago

    Amlak yexebkelu ile xelot ygebr . eti zgerm gna breyo nay amlak eu zkewn .mknyatu betksyan nay luxembrg nktmekakel nkesi breket bmshat zabye id sle znbero amlak knsah delywo ykewn.